እቲ ስልጠና ኣድላዪ ዘበለ ፍልጠትን ክእለትን ኪኢላታት ብምዕባይ ስርሖም ብብቕዓት ንኽዋፅኡ ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ
ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ንምምሕያሽ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ክሰርሑ ይግባእ
ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ንምምሕያሽ ምስመዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ኣብ ምስራሕን ቖራፅነትን ወሳኒ እዩ
ኩነታት ኣተሓሕዛ ተጠርጠርቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ምዃኑ ኣብ ምርግጋፅ መዳይ ትካላት ፖሊስ ዕዙዝ እጃም ኣለዎም
ኮሰመኢ ብተንቅሳቓሲ መርሃ ግብሪ መቐበሊ ጥርዓን ንማሕበረሰብ ቕሩብ ብምዃን ግልጋሎት ተበፃሒነቱ ንምስፋሕ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ኣርሲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝበፅሕ ዘሎ ቕትለት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ናይ ንብረት ዕንወትን ምፍንቓልን ዕልባት ንኽረክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልል ኦሮሚያን እኹል ሓይሊ ፀጥታ ንክምድቡን ተሓታቲነት ምርግጋፃፅ ሓዊሱ ቅልጡፍ፣ ዝጭበጥን ዘላቒን ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ