ብኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ኮሰመኢ መሓመድ ኣሕመድ ዝተመርሐ 8 ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ካብ ዕለት 2 ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ሲሪላንካ ዑደት ልምዲ ልውውጥ እናሳለጠ ይርከብ፡፡

እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ዘርጊሓቶ ንዘላ ብሄራዊ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ካብ ተሞክሮታት ሲሪላንካ ልምዲ ንምውሳድ ዝዓለመ ኾይኑ ዋና ትኹረት እቲ ልምዲ ልውውጥ ድማ ሲሪላንካ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ ጎንፂን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ስርዓት ስግግር ፍትሒ ንምዝርጋሕ ዝገበረቶም ፃዕሪታትን ዘጋጠሙዋ ማሕለኻታትን ተመልኪትኻ ልምዲ ንምውሳድ እዩ፡፡

በዚ መሰረት ድማ ኣብ እዋን ጎንፂ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ምምዝባልን ኣተሓሕዛ ተመዛበልቲን ከምኡ’ውን ኣብ መዳይ ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅን ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ዘለው ዝተሓላለኹ ጉዳያት ክድህስሱ እዮም፡፡

ኣብዚ መርሃ ግብሪ ዑደት ልኡኽ ኮሰመኢ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሲሪላንካ፣ ምስ ሚኒስቴር ፍትሒ ሲሪላንካ፣ ምስ ቤት ዕዮ (Office for Reparations) ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ትካላትን ኣሰራርሓታት ኣብያተ ፍርዲን ክዝትዩን ክጉብንዩን እዮም፡፡

ብተወሳኺ እውን እቲ ልኡኽ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ምስ ሲቪል ማሕበራትን ምስ ዓለምለኸ መዳርግቲ ልምዓትን (ICTJ, LAWን AJAR) ብምምኽኻር ከይዲ ስግግር ፍትሒ ድምፂ ጉዱኣት ማእኸል ብዝገበረ ኣገባብ ኣብ ዝሳለጠሉ ኩነታት ምይይጥ ከካይድ እዩ፡፡

ኣብ ውሽጢ እቲ ልኡኽ ዳይሬክተርን ኣተሓባባሪን ስራሕ ክፍሊ ስግግር ፍትሒ ኮሰመኢ፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ጅግጅጋን ጅማን ከምኡ’ውን ካብ ሚኒስቴር ፍትሒን ካብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌደራልን ዝተውፃፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቖፈ እዩ፡፡

ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ኮሰመኢ መሓመድ ኣሕመድ ኣብ መኽፈቲ እቲ ልምዲ ልውውጥ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ብሄር ብሄረሰባትን ቋንቋታትን ዘለውዋን ልክዕ ከም ሲሪላንካ ዓሚቕ ባህላውን ማሕበራውን ብዝሃነት ዘለዋ ሃገር ምዃና ብምግላፅ ሃገርና ኢትዮጵያ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኤፕሪል 2024 ዘፅደቐቶ ማዕቐፍ ፖሊሲ ብሄራዊ ስግግር ፍትሒ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምእትርከብን ነዚ ድማ ጠንካራን ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበሩ ትካላዊ ኣሰራርሓታትን ከምዘድልይዋ ብምእማን ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ሓቢሮም እዮም፡፡

ብተወሳኺ ድማ እቶም ኮሚሽነር ልኡኽ ኮሰመኢ ካብዚ ዑደት ዝረኽቦም ተሞክሮታት ብምጥማር ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ዝያዳ ኣሳታፋይ፣ ተሓታትነት ዘረጋግፅን ብሄራዊ ዕርቂ ዘምፅእን ንምግባር ከም ኣገዳሲ እታወት ክጥቀመሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡