Areas of Work


መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን  

ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ዓለም በዝሒ ፍልሰተኛ ዘዕቖባ ሃገራት ቅድሚት እትስራዕ ብምዃና፣ በዝሒ ዘለዎ ተመዛባላይ ውሽጢ ዓዲ  (IDPs) ዘለዋ ብምዃናን መበገሲ፣ መሰጋገሪን መዕረፊን ብዙሓት ስደተኛታት ብምዃናን፤ ምስፍሕፋሕ፣ ሓለዋን ኽብሪን መሰላት ፍልሰተኛታት፣ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲን ስደተኛታትን ምርግጋፅ ቀዳሚነት ዝወሃቦ ወሳኒ ዛዕባ እዩ፡፡  

ዋና ዋና ቀዳምነት ዝወሃቦም ስትራቴጂያዊ ስራሕቲ ምርምርን ጎስጓስን፣ ንጉድኣት ተጋለፅቲ ማሕበረሰብ መሰሎም ንኽሓቱ ምብቃዕ፣ ምስ ሃገራውን ዓለምለኻውን መዐቀኒታት ሰብኣዊ መሰላት ዘሎ ተገዛእነት ምክትታል፣ ከምኡ’ውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምሕዝነት ብምጥንኻር ናይዞም ክፋላት ማሕበረሰብ መሰላት ንምምሕያሽን ድሌታት ሓለዋኦም ክማላእን ምግባርን እዮም።