Areas of Work


ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት 

ፕሮግራም ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት ባህሊ ሰብኣዊ መሰላት ምጥንኻርን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ፍልጠት፣ ክእለትን ኣመለኻኽታን ብዝምልከት ኣብ መንጎ ደለይቲ መሰልን መሰላት ንክኽበሩ ግቡእ ዘለዎምን ኣካላት ክዓቢ ምግባር እዩ፡፡  

ዕዉት፣ ስርዓታዊን መላእ ሃገር ዘጠቓልልን ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት መደብ ስልጠናታት፣ ዓውደ መፅናዕትታት፣ ንጥፈታት ምፍላጥን ጎአስጓስን ዝሓቁፍ ኮይኑ ኣብ ሃገራዊ ፖሊሲን ስሩዕ መደብ ትምህርቲን ንክትኣታቶ ምግባርን ዘጠቓልል እዩ። ብተወሰኺ እውን ኣሳታፋይን ብተመክሮ ዝደገፉ ስልጠናታትን መሳርሒታት ትምህርቲን ዝኣመሰሉ ሓደስቲን ዝተመሓየሹን  ናይ ስልጠና ኣሰራርሓታትን መሳርሒታትን ምትእትታው ሰብኣዊ መሰላት ባህሊ ዝኾኑላ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዘድልዩ ናይ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ለውጥታት ንምምፃእ ይሕግዝ። 


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ መንጎ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ርድኢት ዝያዳ ንምዕባይ ዓላማ ብምግባር፤ ዓመታዊ ሃገራዊ ውድድር ምስሊ ችሎትሰብኣዊ መሰላት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ የዳሉ፡፡ እዚ ውድድር ተሳተፍቲ ኣብ ዙርያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ፍልጠት፣ ኣተሓሳስባን ክእለትን ንምምሕያሽ ወሳኒ መድረኽ ኮይኑ የገልግል፡፡ ከም ኣምሳል ስሩዕ ቤት ፍርዲ (simulated court proceeding) ኮይኑ ዝተቐረፀ እዚ ውድድር፤ ንመናእሰይ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣሳሰሩ ነባራዊ ብድሆታት ሕጊ  ብተግባር ንምፍታሽ ዘኽእል ፍሉይ ዕድል ይፈጥር፡፡ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ተወከሱ! 


ስልጠና፦ መናእሰይ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ስግግር ፍትሕን  

ኣብዚ ብመርበብ ሓበሬታ ኢንተርኔት ዝወሃብ ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ክልሰ ሓሳባት ሰብኣዊ መሰላት፣ እንታይነት ስግግር ፍትሒ፣ ኣገዳስነት/ዓላማታት፣ ኣብ መንጎ ስግግር ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ከምኡ’ውን ቅድሚ ሐዚ ንዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት መፍትሒ ንምሃብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መናእሰይ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ዝሕግዙ ክእለታት ክትመሃሩ እኹም፡፡