ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብኣዋጅ ዝተውሃቦ ተግባርን ሓላፍነትን ንክዋፃእ ንቐፃሊ 5 ዓመታት ዝምርሓሉ ስትራቴጂክ ትልሚ 2019-2023 ዝምልከት ካብ መዳርግቲ ኣካላት እታወት ዘተኣኻኽበሉ መድረኽ ብዕለት 17ን 18 ግንቦት 2918 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣካይዱ እዩ፡፡ ተወከልቲ ፌዴራል ፖሊስ፣ ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀት ፌዴራል፣ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር፣ ናይ ኩሎም ክልላዊ መንግስቲታት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ከምኡ’ውን ተወከልቲ ዓለምለኸ ትካላት ኣብቲ እታወት መተኣኻኸቢ መድረኽ ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ግምገማ ኣፈፃፅማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ክትግበር ዝፀንሐ ስትራቴጂክ ትልሚን ናይቲ ሓዱሽ ስትራቴጂክ ትልሚ ረቂቕ ትሕዝቶታትን ብስፍሓት ምይይጥ ዝተገበረሎም እንትኸውን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ምፍፃሞም ምክልኻል መሰረት ዝገበረ (Preventive-focused) ትካላዊ ኣሰራርሓ ምህናፅ፣ ኮሰመኢ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝህልዎ ርክባት ብዝበለፀ ዕውት ምግባርን ትካላዊ ተበፃሕነቱ ምርግጋፅን ፍሉይ ጠመተ ሂቡ ዝሰርሓሎም ጉዳያት ምዃኖም ተሓቢሩ እዩ፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ህፁፅን እዋናዊን ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ትካላዊ መዋቕር እናዘርግሐ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምስራሕ ዝደልዮ ትካላዊ ልኡኽቶ ንምስኻዕ ካብቲ መድረኽ ዝተኣኻኸቡ እታወታት ናይ ቀፃሊ ናይቲ ኮሚሽን ናይ ትኹረት ኣንፈታት ብትኽክል ንምሕንፃፅ ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም ተገሊፁ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ናይ ኮሰመኢ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ኣፈፃፅማ ስትራቴጂክ ትልሚ ንልእኽቶኡ ክሕግዙ ዝኽእሉ ወይም ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ዓውዲታት ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ዓቕሚታት ዝዳህሰሱ ሓሳባት ቀሪቦም እዮም፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ኮሰመኢ ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት ትኹረት ክገብረሎም ይግባእ ዝበልዎም ሓሳባት ውን አመላኺቶም እዮም፡፡

ኣብ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ኣይተ እውነቱ ኣለነ እቲ መድረኽ ኮሰመኢ ናይ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዓወታቱን ጉድለታቱን ብዘይሻራዊ ኣካል ክፅናዕ ብምግባር ዘቕረበሉ ከይዲ መዳርግቲ ኣካላት ድማ ኣገደስቲ እታወታት ዝሃብሉ መድረኽ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ናይ ቀፃሊ 5 ዓመታት ስትራቴጂክ ትልሚ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበለፀ ንምስፍሕፋሕ፣ ንምሕላውን ንምኽባርን ዓቕሚ ንክጠናኸር ዲጂታላዊ ኣሰራርሓን ቅልጡፍ ስርዓት ልውውጥ ሓበሬታን ማእኸል ዝገበረ ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ብምውሳኽ ድማ “እቲ ትልሚ ዕውት ንክኸውን እጃም መዳርግቲ ኣካላት ኣገዳሲ ምዃኑን ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተኣከቡ እታወታት ደማ ነቲ ትልሚ ንምስኻዕ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ” ኢሎም፡፡