ብዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ዝተመርሐ ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ጄኔቫ ካብ ዕለት 21 ክሳብ 23 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተሳለጠ ዓመታዊ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ሕብረት ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት 2026 (the Global Alliance of National Human Rights Institutions (GANHRI)) ተሳቲፉ እዩ፡፡ እቲ ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልቲ ዝተሳለጠ ዓመታዊ ጉባኤ ናይቲ ሕብረት ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ኣኼባ፣ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ኣኼባ ዞባዊ መርበባት፣ ከምኡ’ውን ናይ ልምዲ ልውውጥ መደረኻትን ናይቲ ሕብረት ዓመታዊ ኮንፈረንስን ዘጠቓለለ እዩ፡፡

ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ጎናጎኒ እቲ ዓመታዊ ጉባኤ ብዕለት 21 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተሳለጠ ብምኽትል ኣካቢ ኾይኖም ዝመርሕዎ መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (NANHRI) ኣብ ዘሳለጦ ዞባዊ ኣኼባ ተሳትፎም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ኣብ ቐፃሊ መዓልቲ ድማ ኣብ ናይ GANHR ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ እንትኸውን እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ብዛዕባ ኣፈፃፅማ GANHR ምይይጥ፣ ብዛዕባ ሓደሽቲ ለውጢታት ኣወሃህባ ኣፍልጦ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ ከምኡ’ውን ናይ GANHRI ትልሚ ስራሕን በጀትን ምፅዳቕ ዝዓለመ እዩ፡፡

ድሕሪ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዛዕባ “ዕቑባን ሓቛፋይነትን ተንቀሳቐስቲ ሰባት፣ ዘይሻራዊ ክትትል፣ ተሓታትነትን መሰላት ምርካብን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት (NHRI) ናይ ልምዲ ልውውጥ መድረኽ ተኻይዱ እዩ። ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ስደተኛታት፣ ተመዛበልቲ፣ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲን ሃገር ኣልቦ ሰባትን ዘጋጥሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምክትታልን ኣብ ምስናድን ዘለዎም ብሉፃት ተመኩሮታትን ዘጋጥሙ ብድሆታትን ብዝምልከት ሓሳባት ተለዋዊጦም እዮም። እቲ ልምዲ ልውውጥ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ንተንቀሳቐስቲ ሰባት መሰላትን መሰረታዊ ግልግሎታትን ንምርካብ ብኸመይ ከም ዘተባብዑ መርሚሩ እዩ።

እቲ ብዕለት 23 መጋቢት 2018 ዓ.ም. (April 01, 2026) ዝተኻየደ ዓመታዊ ዋዕላ GANHRI “እጃም ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምድንፋዕን ምክልኻልን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዲጂታላዊ ዓውዲ” ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘተኮረ እዩ። እቲ ዋዕላ ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዲጂታላዊ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ተፈጻሚ ምዃኑ ዘረጋግጽን መንግስቲታት ነቲ ምስ ዲጂታል ቴክኖሎጂታት ተተሓሒዙ ዝመፅእ ዘሎ ሳዕቤናት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኩለመዳያዊ ማዕቐፋት ሕጊን ፖሊሲን ንከውፅኡ ዝፅውዕን መግለፂ ብምፅዳቕ እዩ ተዛዚሙ።

ጎናጎኒ እቲ ናይ GANHRI ኣኼባ፣ ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣደሎ ምስ ምኽትል ዳይሬክተር ክፍሊ ስራሕ ዓለምለኻዊ ስራሕቲ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (OHCHR) ዓብዱል ዓዚዝ ቲኦየ ኣብ ጀነቫ ተረኺቦም ብዛዕባ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ምክልኻልን ምድንፋዕን ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕትን ምስ OHCHR ርክባት ዝያዳ ዝጠናኸረሉ ተኽእሎታትን ተመያይጦም እዮም፡፡

ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣደሎ ብተወሳኺ፥ ከም ምኽትል ኣካቢ መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ(NANHRI)ን ከም ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢን ብዘለዎም ድርብ ሓላፍነት ምስቲ ሓዱሽ ዝተጣየሸ መሓዛ ትካል ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሃገረ ሶማል ተራኺቦም ኣብ ምህናፅ ትካላዊ ዓቕሚ፣ ቴክኒካዊ ሓገዝን ናይ ትካላዊ ምምህሃር ዑደት ምግባርን ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይዶም እዮም፡፡