ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተሾወምሉ ምክትል ዋና ኮሚሽነርን ኮሚሽነራት ዘፈርን ምስ ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ብዕለት 22 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ እቲ ኮሚሽን ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ ምድላው ኣካቢን ኣባላትን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓዊሱ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ፌዴራል የኑስ ሙሉ፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም መዳርግቲ ኣካላትን ሰራሕተኛታት ኮሰመኢን ተረኺቦም እዮም።

ኣብቲ ምድላው ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ፣ ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣሸነፈች ኣበበ፣ ኮሚሽነር ትምህርቲን ስልጠናን ሰብኣዊ መሰላት በዳሳ ለሜሳ ከምኡ’ውን ኮሚሽነር መሰላት ኣካል ጉዱኣትን ኣረጋውያንን መሓመድ ኣሕመድ ዝርዝር ናይ ሞያ፣ ክእለትን ትምህርቲን መብርሂ ቀሪቡ እዩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ዘይሻራዊ ብዝኾነ መምረፂ ኮሚቴ ግልፂ ብዝኾነ ህዝባዊ ጥቆማን ከይዲ ምልመላን ብዝተኸተለ መንገዲ ንዝተሾሙ ኮሚሽነራት ሓጎሶም ብምግላፅ ዕውት ዘበን ስራሕ ንክኾነሎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም እዮም።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላትን (CESCR) ኣብ ኣፍሪካ ኮሚቴ ኪኢላታት መሰላትን ድሕንነትን ህፃናት (ACERWC) ብኣባልነት ተመሪፆም ኹርዓት ሃገሮምን ንኮሰመኢን ንዝኾኑ ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪልን ኣልባብ ተስፋዬን ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ምድላው ተኻይዱ እዩ።

ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ፌዴራል የኑስ ሙሉ፣ ዘይተማልኡ ዝነበሩ ናይ ኣመራርሓ ቦታታት እቲ ዘፈር ብግቡእ ብዝርድኡ ኪኢላታት ክምላእ ምግባሩ ኮሰመኢ ብዝተማልአ ዓቕሚ ትካላዊ ልእኽቶኡ ንኸዐውት ይሕግዞ እዩ ክብሉ ገሊፆም። ወሲኾም ድማ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ክኽበሩ ምግባርን ብሓደ ትካል ጥራሕ ዝሳኻዕ ብዘይምዃኑ መሰላት ኣብ ኣብያተ ህንፀት ዝርከቡ ሰባት ብዝተማልአ መንገዲ ንምርግጋፅ ምስ ኮሰመኢ ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም እዮም።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኽቡር ኣይተ እውነቱ ኣለነ ብወገኖም ተሸወምቲ ነቲ መመዘኒ ካብ ዘማልኡ 72 ሕፁያት ብልዑል ውድድር ከምዝተመረፁ ኣረዲኦም እዮም። ሓለዋን ምስፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት “ንባዕልና ክንብል ክንሰርሖ ዝግባእ ስራሕ እዩ” ዝበሉ እቶም ኣካቢ፤ እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ኮሰመኢ ትካላዊ ናፅነትን ዘይሻራዊነትን ብምሕላው ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም እዮም። እቶም ዝተሸወሙ ድማ ህዝብን መንግስትን ዝሃቦም ሓደራ ኣብ ሕጊን መትከልን ብምፅናዕ ንኽዋፅኡዎ ኣተሓሳሲቦም እዮም።

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ብወገኖም መብዛሕቲኦም ተሸወምቲ ኣብ ውሽጢ ኮሰመኢ ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፊነት ከገልግሉ ዝፀንሑ ብምዃኖም ነቲ ትካል ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጥረሉ ገሊፆም እዮም። እዚ ድማ እቲ ትካል ኣብ ዘፈር ሰብኣዊ መሰላት መፍረዪ ብዙሓት ኣመራርሓታትን ኪኢላታትን እናኾነ ምምፅኡ ዘመላኽት ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም። እቶም ዋና ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ ኣብ ስራሕ ዘመኖም ኮሰመኢ ናፅነቱ ሓሊዉ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምኽባር ስራሕቱ ተጠናኺሮምን ተፈፃሚነት ዝህቦም ምኽሪ ሓሳባት ተመሓይሹን ምርኣይ ዋና ዓላማኦም ምዃኑ ብምግላፅ ዝተሸዎሙ ኮሚሽነራት እዙይ ጋህዲ ንምግባር ሓላፍነቶም ብግቡእ ንኽዋፅኡ መኺሮም እዮም።