ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝርከቡ 4 ኣብያተ ህንፀት፣ 19 ፖሊስ ጣቢያታትን 4 ዘይስሩዕ ተጠርጠርቲ መፅንሒ ቦታታትን ብዘካየዶ ክትትል ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሃነፅቲን ተጠርጠርቲን ዝተረኸቡ ርካቦታት ብዝምልከት ብዕለት 16ን 17ን ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጥ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ፕሬዝዳንታት ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ክልል ጋምቤላ፣ ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልል፣ ኮሚሽን ቤት ህንፀት፣ ምምሕዳር አብያተ ህንፀት ዞባታት፣ ቢሮ ገበን ምርመራ ፌዴራል ፖሊስ ጨንፈር ጋምቤላ፣ አብቲ ክልል ዝርከቡ ኣዘዝቲ ፖሊስ መምርሒታትን ፖሊስ ጣቢያታትን ከምኡ’ውን ብብርኪ ዞባ ዝርከቡ ሓለፍቲን ተወከልቲን ኣካላት ፍትሒን ምምሕዳርን ተሳቲፎም እዮም፡፡



ኣብቲ መድረኽ ኮሰመኢ ኣብ ኣብያተ ህንፀት፣ ፖሊስ ጣቢያታትን ዘይስሩዕ መፅንሒ ቦታታትን እቲ ክልል ብዘካየዶም ክትትላት ዝተነፀሩ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡ ኣብቲ ክትትል ኩለን ፖሊስ ጣቢያታት ብቤት ፍርዲ ዝወሃቡ ትእዛዛት ምኽባረን፣ ተጠርጠርቲ ብሕጊ ስልጣን ብዝተውሃቦም ኣካላት ጥራሕ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዕሉ ምዃኑ፣ ኣብ መብዛሕትአን ፖሊስ ጣቢያታት ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝግበር ፍተሻ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝከናወን ምዃኑ፣ ኣብ ዝተወሰና ኣብያተ ህንፀት ዘሎ ፀገም ኣቕርቦት መደቀሲ ኣቑሑት ንምፍታሕ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ምህላዎም፣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ህንፀትን ፖሊስ ጣቢያታትን ተሃነፅቲን ተጠርጠርቲን ብስድራኦም፣ ብሃይማኖት መማኽርቶምን ብኻልኦት ኣካላትን ናይ ምጉብናይ መሰሎም ዝተሓለወ ምዃኑ፣ ናይ እምነት ናፅነት ዝተኸበረ ምዃኑን ናብ ቤት ህንፀት ክኣትው ዘይኽእሉ ንብረት ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ብዝግባእ ተመዝጊቦም ምትሓዞምን ብፅቡቕ ኣፈፃፅማ ዝተነፀሩ ምዃኖም ተሓቢሩ እዩ፡፡

ኮይኑ ግን ብኣብዝሓ መሕደሪ ክፍሊ ኣብያተ ህንፀትን ፖሊስ ጣቢያታትን ዝተጨናነቐ ምዃኑ፣ ልዑል ፀገም ፅሬት ዘለዎምን እኹል መደቀሲ ዘይተማልአሎምን ምዃኖም፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሓደ ፖሊስ ጣቢያታትን ኣብያተ ህንፀትን ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲ ሕጊን መውቃዕቲ ዝፍፀም ምዃኑ፣ ዘመናዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ሓበሬታ ዘይምዝርጋሑ፣ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተጋለፅቲ ንዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ዝግበር ዝተፈለየ ክንክንን ድጋፍን ዘይምህላው፣ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ምግቢ ተዳልዩ ዘይቐርብ ምዃኑ፣ ተሃነፅቲ ምግቢ መብሰሊ ኣቑሑት ንምርካብ ዝፅገሙ ምዃኖም፣ ንተሃነፅቲ ዝተመደበ ገንዘብ (መዓልታዊ 75 ቕርሺ) ምስ እዋናዊ ናህሪ ኑሮ እንትርአ እኹል ዘይምዃኑ፣ በጀት ኣብያተ ህንፀት እዋኑ ሓልዩ ዘይልቀቕ ምዃኑ፣ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ሕፅረት ግልጋሎት ሕክምናን ኣቕርቦት መድሓኒትን ምህላውን ናፃ ግልጋሎት ሕጊ ድጋፍ ዝህቡ ትካላት ዘይምህላዎምን በቲ ክትትል ክስተኻኸሉ ዝግብኦም ተባሂሎም ዝተነፀሩ ርካቦታት እዮም፡፡

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ውሽጢ ፖሊስ ጣቢያታትን ዘይስሩዕ መፅንሒ ቦታታትን ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝውዕሉን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐርቡን ምዃኖም፣ ኣብ ጊዜ ቖፀሮ ዘለው ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንዝተናውሐ ጊዜ ኣብ መዕረፊ ቦታ ንክፀንሑ ምግባር፣ ምግቢ ሙሉእ ብሙሉእ ዘይቀርብ ምዃኑን ምግቢ ክትረኽበሎም እትኽእል ቦታታት ብቐረባ ዘይምህላውን፣ ተጠርጠርቲ ሕክምና ዘይረኽቡ ምዃኑ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሓደ ሓደ ፖሊስ ጣቢያታት ናይ ማይ ኣቕርቦትን ግልጋሎት ሽቓቕን ዘይምህላው ትኹረት ዝጠልቡ ምዃኖም ብሪፖርት እቲ ክትትል ተሓቢሩ እዩ፡፡


ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኮሰመኢ ዘቕረቦም ርካቦታትን ምኽሪ ሓሳባትን ዝቕበልዎም ምዃኖም ብምግላፅ ኮሰመኢ ዝገብሮም ስራሕቲ ክትትልን ጎስጓስን ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ልዑል ትኹረትን ሓበራዊ ስራሕን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝጠልብ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ተሳተፍቲ ዝተነፀሩ ፍሉይ ጠመተ ዝጠልቡ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት መፍትሒ ንምሃብ ምስ ፈፃሚ ኣካላት እቲ ክልል ብቕረባ ተሓባቢርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ዳይረክተር ሪጅን ስራሕ ክፍሊ ክትትልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላት ዮናስ ሙሉጌታ ኣብቲ ክልል ዝተርኣየ ኩነታት ኣተሓሕዛ ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ንክመሓየሽ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡ እቶም ዳይረከተር ወሲኾም ድማ በቲ ክትትል ዝተነፀሩ ትኹረት ዝጠልቡ ዘተሓሳስቡ ጉዳያት መፍትሒ ንክረኽቡ ኮሰመኢ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ኣካላት ፍትሒን ፈፃሚን ዝገብሮ ስራሕ ጎስጓስ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም እዮም፡፡