ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ዙርያ ኣቀባብላን ኣተሓሕዛን ጥርዓን ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንዝርከቡ ስራሕ ፈፀምቲ ሓቛፊ ተግባራት ጉድያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ብዕለት 19 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግንዛበ መዕበዪ መድረኽ ኣሳሊጡ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኣምሓራ፣ ማእኸላዊ ኢትዮጵያ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተውፃፅኡ ስራሕ ፈፀምቲ ሓቖፍቲ ተግባራት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ላዕለዎት ትምሀርቲ ትካላት ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓትን መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ’ውን ንስርዓተ ፆታ ዘማእኸለ መትከላት ኣቀባብላን ኣተሓሕዛን ጥርዓን ብዝምልከት መበግሲ ፅሑፋት ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ተሳተፍቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዝርኣዩ ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ንምክልኻልን ጥርዓን ንምትእንጋድን ዝተዘርግሑ ኣሰራርሓታት፣ ንጉዱኣት ዝግበር ድጋፍን ስርዓት ቕብብልን (referral) ከምኡ’ውን ተሓታትነትን ፍትሒን ንምርግጋፅ ዝትግበሩ ኣሰራርሓታት ብምግምጋም ብሉፃት ተሞክሮታትን ክስተኻኸሉ ዝግብኦም ጉድለታትን ከምኡ’ውን ኣብ ቐፃሊ ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምቲታትን ብዝምልከት ተሞክሮን ሓሳባትን ተለዋዊጦም እዮም፡፡

ተሳተፍቲ ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ዩኒቨሲቲታቶም ዝፍፀሙ ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ኣብ ምክልኻልን ግቡእ መልሲ ኣብ ምሃብን መዳይ ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ኣካፊሎም እዮም፡፡ ካብቶም ዝተልዓሉ ማእኸል ገዛኢ ዝኾነ ሓደ ዓይነት ፖሊሲ፣ መምርሒን ስርዓት ኣሰርራሓን ዘይምህላው፣ ሕፅረት ግንዛበ፣ ሚሽጥር ሓላዊነት ዘይምህላው፣ ግልፅን ተበፃሒን ዘይኮነ ስርዓት ኣቀባብላ ጥርዓን ከምኡ’ውን ናይ ጉዱኣት ፍትሒ ናይ ምርካብ ከይዲ ኣድኻሚ፣ ነዊሕን ምንግልታዕ ዝበዝሖን ምዃኑን ይርከብዎም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ፣ ስርዓት ቕብብል (Referral)፣ ግልጋሎት ድጋፍ ስነ-ልቦናን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂን ብዝምልከት ክፍተት ምህላውን ከምኡ’ውን ቅንጅታዊ ኣሰራርሓ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ድኹም ምዃኑን ብማሕለኻነት ዝተገለፁ እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣሸነፈች ኣበበ ብወገነን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዝበፅሐን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምክልኻል ናፃን ድሕነንቱ ዝተሓለወን መምሃሪ ከባቢ ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተጣየሻ ስራሕ ክፍሊታት ስርዓተ ፆታ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ብምኽባርን ተሓታቲነት ኣብ ምርግጋፅን መዳይ ዕዙዝ እጃም ከምዘለወን ሓቢረን እየን፡፡