ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ግደ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ምውሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ከይዲ ህንፀት ሰላምን ብዝምልከት ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብዕለት 19 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ጅማ ዘተ ኣካይዶም እዮም፡፡ እቲ ዘተ ኮሰመኢን እቲ ጉባኤን ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዝኽእሉሎም ዛዕባታት ዝተገበረ እንትኸውን ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ አዴሎን ፕሬዝዳንት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለን ከምኡ እውን ናይ ኮሰመኢን ናይቲ ጉባኤን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕተሳቲፎምሉ እዮም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪትካላት ሃይማኖት ኣብ ምውሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ከይዲ ህንፀት ሰላምን ዘለዎም እጃምን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሞክሮታትን ዝምልከቱ ንዘተ መዘኻኸሪ ዝኸውን መብራህርሂ ተዋሂቡ እዩ፡፡ በዚ ድማ ትካላት ሃይማኖት ቕድሚ ጎንፂታት ምልዓሎም ኣብ ከይዲ ምክልኻል፣ ጎንፂታት ብምይይጥ ኣብ ምፍታሕ፣ ብምኽንያት ጎንፂ ዝተቛረፁ ርክባት ናብ ዝነበርዎ ኣብ ምምላስን ጉድኣት ንዝበፅሖም ድማ ንዝበፅሖም ጉድኣት ኣፍልጦ፣ ይቕሬታን ካሕሳን ንክረኽቡ ኣብ ምግባርን ርኡይ እጃም ከምዝፃወቱ ተብሓቢሩ እዩ፡፡ ‘ሳንታጂዲዮ’ (Sant’Egidio) ዝተብሃለ ኣብ ሮም ዝርክብ ትካል እምነት ካቶሊክኣብ ሞዛምቢክ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለያ ዓዲታት ጎንፂታት ዝፈትሓሉ ከይዲ ከምኡ እውን ትካላት ሃይማኖት ሴራሊዮን ኣብ ምርግጋፅ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘለወን ተቐባልነት ብምጥቃም ኣብታ ዓዲ ተኸባቢሮም ይነብሩ ኣብ ዝነበሩ ህዝብታት ማእኸል ዝተፈጠረ ጎንፂ መዕለቢ ንኽረክብ ዝሰርሓሉ መንገዲ በተሞክሮነት ቐሪቦም እዮም፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ውፅኢታት ስራሕ፣ ማሕለኻታትን ዓውዲታት ምትሕብባርን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሓፂር ገለፃ ዝተገበረ እንትኸውን ኮሰመኢ ካብ 2002 ዓ.ም. ጀሚሩ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ንኽምስረት ካብ ምግባር ጀሚሩ ክገብሮ ዝፀንሐ ኹለንተናዊ ምትሕብባራት ብግልፂ ተገሊፁ እዩ፡፡ ቕድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከባቢ ጅማ ተላዒሉ ዝነበረ ጎንፂ ተኸቲሉ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ኣመንቲ ወንጌላዊያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ብሓባር ብምዃን ናይ ምርግጋዕ ስራሕ ምስርሖምን ናይተን ትካላት ናይ እምነት መሪሕነትን ህዝባዊ ግልጋሎትን ማእኸል ብምግባር ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ዘኽኣሎም ምትሕብባር ትካላዊ ብምግባር ኣብቲ ከባቢ ዘላቒ ሰላም ንምውሓስ ዕድል ከምዝፈጥር ስለዝተኣመነሉ “ጉባኤ ሰላምን ሓበራዊ ምኽክርን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ” ብዝብል ኣብ 2003 ዓ.ም. ከምዝተመስረተ ተገሊፁ እዩ፡፡ እቲ ጉባኤ ንህንፀት ሰላም ሃገርን ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት ብሓባር ኣብ ምስራሕ ዝህልዎ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ 2007 ዓ.ም. ትካላት ሃይማኖት ብብርኪ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ዘተ “ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ” ብዝብል ናብ ሃገራዊ ትካል ምዕባዩ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ናይ ክልቲኤን ትካላት ሓቢርካ ምስራሕ ቕድሚ ሐዚ ዝነበሩ ምትሕግጋዛት ብምጥንኻርን ንደቂ ሰባት ኣብ ዝጠቕሙ ዛዕባታት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምውሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ከይዲ ህንፀት ሰላምን ዝምልከት ዝስርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንምግባርን ከምዝሕግዝ ገሊፆም እዮም፡፡



ነቲ ዘተ ስዒቡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም “ውዕሊ ጅማ” ተፍራርሞም እዮም፡፡ እቲ ስምምዕ ብመዳይ ኮሰመኢ ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ አዴሎ ነቲ ጉባኤ ብምውካል ድማ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ዝፈረሙ እንትኸውን ኣብ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን እዋን ዝስርሑ ስራሕቲ ብምፍላይ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ዘሳልጥ ጉጅለ ዝተመስረተ እንትኸውን ካብ ክልቲኦም ትካላት ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ኣባላት እውን ተሰይሞም እዮም፡፡

ፕሬዝዳንት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ሰላም ኣብ ዘይተረጋገፀሉ ባይታ ሰብኣዊ መሰላት ውሑስ ምግባር ከቢድ ምዃኑ ብምግላፅ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ፀባይን ስነ-ምግባርን ሰባት ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅኡ ስራሕቲ ዝሰርሓ ብምዃነን እቲ ስምምዕ ማሕበረሰባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ተግባራት ብሓባር ንምስራሕ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም እዮም፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ብወገኖም ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኩሎም ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮታት ብግልፂ ዝተቐመጡ ምዃኖም ገሊፆም እዮም፡፡ እቲ ዘተ ኣብ ከተማ ጅማ ዝተዳለወሉ ምኽንያት ድማ እቲ ከባቢን ኮሰመኢን ንምስረታ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ፅቡቕ ውፅኢት ኣብ ዘምፅኡ ስራሕቲ ዝነበሮም እጃም ንምዝኽኻርን ኣፍልጦ ንምሃብን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቶም ኮሚሽነር ኣብ ከይዲ ህንፀት ሰላምን መሰላት ተቓላዕቲ ክፋላት ማሕብረሰብን ትኹረት ብምግባር ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ርኡይ ለውጢ ንምምፃእ ከምዘኽእል ዘለዎም እምነት ብምግላፅ ኮሰመኢ ንምዕባይ ግንዛበን ክእለትን ስልጠናታት፣ መደረኻት ምይይጥን ናይ ሓገዝ መማረፂታት ብምምችቻውን ሓላፊነቱ ከምዝዋፃእ ኣረጋጊፆም እዮም፡፡