ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ተስፋ ዝህቡ ስጉምቲታትን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ብዝምልከት ዕለት 17 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኮሰመኢ ጋዜጣዊ ጉባኤ ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ ጋዜጣዊ ጉባኤ ጋዜጠኛታትን ክኢላታትን ተረኺቦም እዮም።
እቲ ጋዜጣዊ ጉባኤ፦ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ 2019 ዓ.ም. (ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2027) ዝካየዱ ሓፈሻዊ ጉባኤን መበል 16ተ ኮንፈረንስን መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (Network for African National Human Rights Institutions (NANHRI)) ንኽተዳልው ምምራፃን ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ናይታ መርበብ ምክትል ኣካቢኮይኖም ምምራፆም ዕላዊ ንምግባርን ዝህልዎ ትካላዊ፣ ሃገራውን ኣህጉራውን ረብሓ ንምግንዛብ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም. ዝተሰርሑ ናይ ምክትታል፣ ምርመራን ጎስጓሳትን ስራሕቲ ዝተርኣዩ ዓበይቲ ውፅኢታት ተስፋ ዝህቡ ስጉምቲታትን ማሕለኻታትን ዕላዊ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።
ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ጉባኤን መበል 16ተ ኮንፈረንስን መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (NANHRI) ንኽተተኣናግድን ዋና ኮሚሽነር ኢሰመኮ ብርሃኑ ኣዴሎ ናይታ መርበብ ም/ኣካቢቢ ኮይኖም ምምራፆምን ዝምልከት
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዝኾኑ ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዝሃብዎ መብርሂ መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (NANHRI) ዕለት 27 ጥሪ 2018 ዓ.ም. (February 4, 2026) ኣብ ሃገረ ካሜሮን ከተማ ያውንዴ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ (General Assembly) ኢትዮጵያ መፃኢ ሓፈሻዊ ጉባኤን መበል 16ተ ኮንፈረንስን እቲ መርበብ ንኽተዳልው ብምሉእ ድምፂ ከምዝተመረፀት ዕላዊ ገይሮም እዮም። ነዚ ስዒቡ ድማ ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ንቐፃሊ ክልተ ዓመታት ናይታ መርበብ ምክትል ኣካቢ ኮይኖም ንኸገልግሉ ብተመሳሳሊ ብምሉእ ድምፂ ምምራፆም ተገሊፁ እዩ።

መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (NANHRI) ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2007 ዝተመስረተት ኣህጉራዊ ትካል ኮይና ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከባ 47 ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብኣባልነት ዝሓቖፈትን ዋና ቤት ፅሕፈታ ኣብ ናይሮቢ ርእሰ ከተማ ኬንያ ገይራ ኣብ ኣፍሪካ ገለልተኛ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ንኽምስረታ ብምትሕብባር ንኽሰርሓን ብሓፈሻ ብመሰረት ዝተውሃበን ስልጣን ሰብኣዊ መሰላት ንከኽብራን ንከስፋሕፍሓን እትድግፍ መርበብ ኢያ። ብመሰረት መመስረቲ ደንቢ ኣንቀፅ 28ን 56ን እታ መርበብ በቢ-ክልተ ዓመት ሓፈሻዊ ጉባኤኣ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፍሪካ ኣተገባብራ ሰብኣዊ መሰላት ትኹረቱ ዝገብርን ናይ ኣፍሪካ ዞባዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ከምኡ’ውን ትካላት ትምህርቲን ምርምርን ዝሳተፉሉ ኮንፈረንስ ክካየድ እዩ።
ሃገርና እቶም ዋዕላታት ንምትእንጋድ ዘርኣየቶ ቖራፅነትን ናይ መንግስቲ ድጋፍን ከምኡ’ውን ኮሰመኢ ምስ ዓለምለኸ፣ ኣህጉራውን ምስ መዳርግቲ ኣካላትን ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ብዘርኣየቶ ንቑሕ ተሳትፎን ምትሕብባርን ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኽባርን ኣብ ምስፍሕፋሕን እናሰርሐቶ ንዘላ ኣበርክቶ ናይታ መርበብ ሓፈሻዊ ጉባኤን ዓመታዊ ኮንፈረንስን ንኽተዳልው ንኽትምረፅ ዘኽኣሉ መዐቅኒታት ምዃኖም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ተሓቢሩ እዩ።
ናይታ መርበብ ሓፈሻዊ ጉባኤን ኮንፈረንስን ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ኮሰመኢ ንሓለዋን ምስፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት እትገብሮ ንዘላ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝህብ ከም ሃገር እውን ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ተሰማዕነትና ክዓቢ ዝገብርን ኮሰመኢ ኣብ ቐፃሊ ኣጠናኺራ ንእትሰርሖም ስራሕቲ ምስ ካልኦት መዘና ትካላት ተሞክሮታት ንምውሳድ ዘኽእል ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ። ብተውሳኺ እውን መንግስታዊ ትካላት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረስብ፣ ትካላት ትምህርቲን ምርምርን ከምኡ’ውን ሓንፀፅቲ ፖሊሲ ምስ ትካላትን መራሕቲን ዝተፈላለያ ዞባውን ዓለምለኻውን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ ተመራመርቲ፣ ተወከልቲ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ንክራኸቡ፣ ንክመኽሩን ምትእስሳራት ንኽፈጥሩን መድረኻት ብምፍጣር ኣወንታዊ እጃም ከምዝህልዎ እቶም ኮሚሽነር ኣብራህሪሆም ኢዮም።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ኮሰመኢ ናይታ መርበብ ናይ ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ስራሕ ቡድን (NANHRI’s Business and Human Rights Working Group) ምክትል አካቢ ኮይና ከምዝተመረፀት ዝሓበሩ ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኮሰመኢ ሓፈሻዊ ዋዕላን መበል 16ተ ኮንፈረንስን መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ንምድላው ዘኽእላ ኹነታት ኣብ ምምችቻው መንግስቲ ንዘርኣዮ ሓገዝ ልዑል ምስጋና አቕሪቦም እዮም። ብተመሳሳሊ ድማ እቶም ዋዕላታት ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ንኽካየዱ ዝምልከቶም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ቕኑዕ ዝኾኑ ምትሕብባራትን ሓገዛትን ንኽገብሩ ፃውዒት ዘቕረቡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዓርሳ ዝኽኣለት ሴክሬታሪያት ብምጥያሽ ምድላዋታ ካብ ብሐዚ ከምዝጀመረት ገሊፆም እዮም።

ኣብ ዓውዲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ዝተርኣዩ ተስፋ ዝህቡ ስጉምቲታትን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን
ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ብዛዕባ ኣብ ዓውዲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ዝተረኸቡ ተስፋ ዝህቡ ስጉምቲታትን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ካብ ክልል ሃረርን ድሬዳዋ ከተማ ምምሕዳርን ወፃኢ ናብ ኩለን ክልላት ዑደት ብምግባር ምስ ርእሳነ ምምሕዳር እተን ክልላት፣ ኣፈ ጉባኤታት፣ ፕሬዚዳንትታት ላዕለዋይ አብያተ ፍርዲ እተን ክልላት ኣብ ዝተረኸብሉ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ምይይጣት ከምዘካየዱን ድሕሪ እቶም ምይይጣት እተን ክልላት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ተስፋ ዝህቡ ስጉምቲታት እናወሰዳ ምዃነንን ገሊፆም እዮም። ብምዃኑ ድማ ኣፈፃፅማ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ዝወሃቡ ምኽረ ሓሳባት ለውጢ እናርአዩ ከምዝመፅኡ እውን ሓቢሮም እዮም።
ብምኽሪ ሓሳባት ኮሰመኢ መሰረት ብምግባር እውን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ 186፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ 46፣ ኣብ ክልል ጋምቤላ 66፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 915፣ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ሶማሊ 123 ብሓፈሻ 1336 ካብ ሕጊ ኣገባብ ወፃኢ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ብነፃ ክፍትሑ ክኢሎም ኢዮም። ብተውሳኺ ድማ 122 ሰባት ብዋሕስ ዝተፈትሑ እንትኸውን 119 ሰባት ድማ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ንኽርአ ምግባር ተኻኢሉ እዩ። ብናይ ስሩዕ ናይ ጥርዓን መቐበሊ መንገዲ ካብ ዝመፅኡ 761 ጥርዓናት ብምቕባል እቶም 477 ጉዳያት ዕልባት ክረኽቡ ክኢሎም እዮም። ብተንቀሳቓሲ ጥርዓን መቐበሊ መንገዲ ካብ ዝቐረቡ ጥርዓናት ድማ 70 ዝኾኑ ጥርዓናት መፍትሒ ረኽቦም እዮም። 321 ፖሊስ ጣቢያታት፣ 42 ኣብያተ ህንፀታት ማእኸልን 9 ስሩዕ ዘይኮኑ ማእኸላት መፅንሒ ተጠርጠርቲን እውን ተጎብኒዮም ኢዮም። ኣብ ኣብዝሓ እተን ኣብያተ ህንፀት፣ ንተሃነፅትቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ዝውዓሉን ሰባት መዓልታዊ ናይ ምግቢ ኣቕርቦት እናተመሓየሸ ምምፅኡ ካብ ዝተረኸቡ ተስፋ ዝህቡ ለውጢታት ዝጥቀስ እዩ።
ምስ ሲቪላውን ፖልቲካውን መሰላት ዝምልከት ድማ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ን7ይ ሃገራዊ መረፃ ብናይ ቦታ ኣቀማምጣ መሰረት ዝገበረ ናይ ሓበሬታ ስርዓት (Geographical Information System (GIS)) ብምሕጋዝ ናይ መረፃ ጣቢያታት ምፍላዩ፣ እቲ መረፃ ቦርድ በዝሒ ቤት ፅሕፈታቱ ናብ 22 ብምዕባይ ተበፃሕነቱ ምስፋሑ ከምኡ’ውን መረፅቲን ሕፁያትን ኣብ ዘለውሉ ኮይኖም ምምዝጋብ ዘኽእሎም ዲጂታላዊ ናይ ምዝገባ ስርዓት ምዝርግሑ ከም ፅቡቕ መርኣያታት ዝተወሰዱ እዮም። ምስ መረፃ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኮሰመኢ ብፅሒት ቕድሚ መረፃ፣ ኣብ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ኣብ ዘሎ ከይዲ ሰብኣዊ መሰላት ብዘኽበረ መንገዲ ምክያዱ ምክትታል፣ ምስናድ ሰነዳትን ሪፖርት ምውፃእን ምዃኑ ብምግላፅ 7ይ ሃገራዊ መረፃ በዚ መዳይ ንምክትታል ኮሰመኢ ቅድመ ምድላዋታ እናዛዘመት ምዃና እውን ሓቢሮም እዮም።


ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ዝነበረ ናይ ጉዱኣት ኣካል ፖሊሲ ንኽፀድቕ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ምቕራቡን ኣህጉራዊ መሰል ጉዱኣት ኣካል ዝምልከት ፕሮቶኮል ንምፅዳቕ ናብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስተርን ምቕራቡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ዝፀደቐ ስትራቴጂ 2030 ዲጂታል ኢትዮጰያ ንጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ኣብ ግምት ዘእተወ (inclusive by design) ናይቲ ስትራቴጂ መርሕ ኾይኑ ምትእትታውን ንነዊሕ ጊዜ ትፅቢት ዝተገበረሉ ኣዋጅ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ቑፅሪ 1368/2017 ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ምትእትታው፣ ከምኡ’ውን ምስ መሰል ጥዕና ብዝተተሓሓዘ ኣዋጅ ቑፅፅር ምምሕዳር ጥዕናዊ ግልጋሎት ቑፅሪ 1362/2017ን ግልጋሎት ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያን መመስረቲ ፈንድ መድሓኒት ኣዋጅ ቑፅሪ 1354/2017ን ፍትሓውን ተበፃሒን ዝኾነ ስርዓት ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና ንምዝርጋሕ ኣብ ግምት ዘእተው ምዃኖም ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብመዳይ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ካብ ዝተርኣዩ ተስፋ ዝህቡ ምዕባለታት ዝጥቀሱ ኢዮም።
ብኻልእ መዳይ ድማ ዋላኳ እናቐነሰ ምምፅኡ ዘመላኽቱ ምዕባለታት እንተተርአዩብምኽንያት ዕጥቃዊ ጎንፂታት ኣብ ህይወት ደቂ ሰብ፣ ኣካልን ንብረትን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ምቕፃሉ፣ ኣብ መንገዲታት ብዕጡቓት ዝፍፀሙ ኽትራን፣ ናይ ገበን ተሓታትነት ብዘየስዕቡ ውይ’ውን ውሳነ ኣብ ዘይብሎም ጉዳያት ካብ ሕጊ ወፃኢ ምእሳር (arbitrary arrest) ምቕፃሉ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝቐርቡ ናይ ኽሲ ጥርዓናት ተቐቢልካ ናይ ገበን ምርመራታት ዘይምክያድን ካብ ዝተዘርዘሩ ዕንቅፋታት ኢዮም።
ብተወሳኺ ድማ ንተሃነፅቲ ዝቐርብ ናይ ምግቢ፣ ጥዕናን ኻልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን ዋላኳ ምዕባለታት እንተሃለዉ ሐዚ እውን እኹል ዘይምዃኑን ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕጊ ንዘለዉ ተጠርጠርቲ ብመንግስቲ ዝቐርብ ናይ ምግቢን ጥዕናን ግልጋሎት በጀት ዘይምህላውን ዝቐርብ በጀት እኹል ዘይምዃንን፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፣ ጦማሪያንን ኣንቃሕቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ዝበፅሑ ፅዕንቶታት ምህላዎም፣ ብተመሳሳሊ እውን ኣብ መዳይ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዘተሓሳስቡ ተባሂሎም ካብ ዝተልዓሉ ዛዕባታት ኣብ ዓውዲ ማዕድን ዝርአ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ኣብ ክልላት ጋምቤላን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን በዋናነት ካብ ዝተጠቐሱ ጉዳያት እዮም።


ኮሰመኢ ትኹረት ሂባ ካብ እትሰርሓሎም ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ዓውዲታት ብዝተሓሓዝ ዝተርኣዩ ዕንቅፋታት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝተለዓሉ እንትኾን ከባቢያዊን ናይ ህንፃ ሓቛፋይነት ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ወሳኒ እጃም ካብ ዘለዎም ማዕቀፋት ሕጊ ሓደ ዝኾነ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ዝወፅአ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ህንፃ ኣዋጅ 1356/2017 መሰረት ብምግባር ክወፅኡ ትፅቢት ዝግበረሎም ናይ ኣፈፃፅማ ደንቢታት ዘይምውፅኦም፣ ናይ ውልቀን ናይ መንግስቲን ግልጋሎት መውሃቢ ትካላት ዝኾኑ ህንፃታት ንጉዱኣት ኣካል ምቹው ንክኾኑ ዘኽእል ዝርዝር መመዘኒ ንኸይወፅእ ከምኡ’ውን ናይ ቑፅፅርን ክትትልን ማዕቀፍ ንኸይዝርጋሕ ዕንቅፋት ምፍጣሩን ተሓቢሩ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ድማ በኣብዝሓ ናይ ምኽረ ሓሳብ ኣፈፃፅማ ክትትል ኣብ ዝተገበረሎም ማእኸላት ሕርሻ ዋላኳ ተስፋ ዝህቡ ስጉምቲታት እንተተርኣዩ ሐዚ እውን ንደቂ ኣንስትዮን ሰገናትን ናይ ሓደጋን ናይ ሕማም መከላኸሊ ክዳውንቲ፣ ኣቑሑትን ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን ምሉእ ብምሉእ ወይ እውን እኹል ብዝኾነ መንገዲ ዘይምቕራቦም፣ ንጊዚያዊ ሰራሕተኛታት ክፍሊት ዝሓወሰ ቅድሚን ድሕሪን ወሊድ ፍቓድ ዘይምሃብ፣ ሰሙናዊን ናይ በዓላትን ዕረፍቲ ብጊ መሰረት ንሰራሕተኛታት ዘይወሃብ ምዃኑ፣ ተመሳሳሊ ስራሕ ንዝሰርሑ ቀዋሚን ኮንትራትን ሰራሕተኛታት ተመሳሳሊ ክፍሊት ከምኡ’ውን ናይ ትርፊ ሰዓት ስራሕ ክፍሊት ብሕጊ መሰረት ተሓሲቡ ዘይኽፈል ምዃኑ፣ ንደቂ ኣንስትዮን ሰገናትን ሰራሕተኛታት ዝተኸልከሉ ስራሕቲ ሰገናት ኣንስቲ ክሰርሓ ምግባር፣ ናይ ሰራሕተኛታት መሃያ እዋኑ ሓልዩ ዘይምኽፋልን ቐፃልነት ዘለዎ ናይ ምኽሪ ሓሳብ ኣፈፃፅማ ክትትልን ተሓታትነትን ዘረጋግፁ ስጉምቲታት ንኽወስዱ ዘመላኽቱ ምዃኖም እቶም ዋና ኮሚሽነር ኣብቲ መግለፂ ሓቢሮም እዮም።
ናይ ኮሰመኢ ትካላዊ ስራሕቲን ዝተመዝገቡ ቑልፊ ውፅኢታትን ብዝምልከት
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይ ኮሰመኢ ትካላዊ ስራሕቲን ዝተመዝገቡ ዓወታትን ዝተዳህሰሱ እንትኸውን ብመሰረት መትከላት ስምምዕ ፓሪስ ናይ ኮሰመኢ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ናይ ስራሕ ቕፅርን ምደባን ናይ እምነት፣ ፆታ፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ ጉዱኣት ኣካልን ብዝሓነትን ማእኸል ብዝገበረ ኣገባብ ንምፍፃም ዘኽእል ናይ ብዝሓነት መምርሒ ፀዲቑ እናተተግበረ ምዃኑ፣ ትካላዊ ተበፃሕነት እቲ ኮሚሽን ንምስፋሕ 5 ተወሰኽቲ ከተማ ቤት ፅሕፈታት ምኽፋቶም፣ ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ሓዊሱ ብቋንቋታት ኣፋን ኦሮሞ፣ ትግርኛን ሶማሊኛን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሓበሬታታት ንህዝቢ ተበፃሒ ክኾኑ ብምግባር ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ተሓቢሩ እዩ።


ብተመሳሳሊ እውን ምስ መንግስታውን መንግስታዊ ዘይኮኑን ትካላት ዝተጀመሩ ምትሕብባራትን ምትእስሳራትን ርክባት ተጠናኺሮም ምቕፃሎም ተሓቢሩ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ዝወሃቡ ምኽረ ሓሳባት ብኣብዝሓ ክትግበሩ ምግባሩ፣ ግህሰት መሰላት ቅድሚ ምፍፃሞም ምክልኻል ዘኽእል ድልውነትን ናይ መዳርግቲ ኣካላት ቅኑዕ ኣመለኻኽታን ምፍጣሩ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገርና ንምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕግዙ ፕሮጀክትታት ምሕንፃፆምን ፋይናንሳዊ ሓገዛት ምርካቡን እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም እዮም።
ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣብቲ ጋዜጣዊ ጉባኤ ካብ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ መራኸቢ ሓፋሻት እዋናዊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ንዘልዐልዎም ሕቶታት መብራህርሂ እውን ሂቦም እዮም። ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝግበር ምእሳርን ብሓይሊ ምስዋርን ዝተሓሓዝ ንዝተልዓለሎም ሕቶ እንትምልሱ፣ ናብ ኮሰመኢ ዝቐረቡ ጥርዓናት መሰረት ብምግባር ክትትል ከምዝግበርን ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ከምዝስራሕን ኮሰመኢ ካብ መንግስቲ ይኹን ካብ ካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፅዕንቶ ከምዘይብሉን ነፃን ዘይሻራውን መስርሕ መሰረት ብምግባር ምስ መንግስቲ ይኹን ምስ ዓለምለኸ መዳርግቲ ትካላትን ካልኦት ንሓለዋን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰላት ይሕግዙ ኢዮም ኢሉ ምስ ዝኣምነሎም ትካላት ነፃነቱ ሓሊዉ ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ነፃ ምዃኑ ብስራሕቱን ብዝወፅኡ ሪፖርትታትን ምርኣይ ከምዝክኣል፣ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረን ማእኸል ዝገበረን ናይ ሽግግር ፍትሒ ንኽትግበር ኮሰመኢ ሓላፊነቱ እናተዋፅአ ምዃኑን እቶም ኮሚሽነር ብዝርዝር ኣብራህሪሆም እዮም።
ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብ መኸምበቲ መልእኽቶም፣ ኮሰመኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ርካቦታት ሰብኣዊ መሰላት ዝህቦም ምኽሪ ሓሳባት ብዝተማልአ መንገዲ እንትፍፀሙ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንኽፍጠር ከምዘኽእል ገሊፆም እዮም። ኣብ ዓውዲ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ዝምልከቶም ካልኦት መዳርግቲ አካላትን ኮሰመኢ ንዝህቦም ምኽረ ሓሳባት ብዝተማልአ ኹነታት ንኽትግበሩ ሓላፊነቶም ንኽዋፅኡ እቶም ኮሚሽነር ኣተሓሳሲቦም እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ኮሚሽነር ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ኮሰመኢ ሓፈሻዊ ጉባኤን መበል 16ተ ኮንፈረንስን መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ብዝተሳኽዐ መንገዲ ንምድላው ንኽትሓባበሩን ሓገዝ ንኽገብሩን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።