ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒን ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃን ክህልዎም ዝግባእ ተሳትፎ ብዝምልከት መድረኽ መዕበዪ ግንዛበ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ መድረኽ ካብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል-ጉሙዝ፣ ማእኸላይ ኢትዮጵያ፣ ጋምቤላ፣ ኦሮሚያ፣ ሶማሊን ትግራይን ዝተውፃእፅኡ ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ተሳትፎም እዮም።

ኣብቲ መድረኽ ብዛዕባ ስግግር ፍትሒን መረፃን ዝምልከቱ ማዕቐፋት ፖሊሲን ሕጊን፣ መሰላት ተሳትፎ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ኣብ ከይዲ ኣሰራርሓ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት፣ ድሕሪ ምፍንቓል ሰባት ዝበፅሖም ጉድኣት ስነ-ልቦናን ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝቐርቡ ሓገዛትን ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ እዩ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ እዋን ተሳትፎ ስግግር ፍትሒን መረፃን ዘጋጥሙ ዝበልዎም ማሕለኻታት ካብ ተሞክሮታቶም ዘካፈሉ እንትኸውን፤ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃን ቕድም ክብል ምስ ስግግር ፍትሒ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተኻየዱ ህዝባዊ ምይይጣትን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝነበሮም ተሳትፎ እኹል ከምዘይነበረ ገሊፆም እዮም። ኣብ እዋን ምፍንቓል ንዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት መፍትሒ ኣብ ምትእልላሽ፣ ስግግር ፍትሒ ወሳኒ እጃም ዘለዎ ብምዃኑ ኣብ ከይዲ መድረኻት ምኽክር ተሳትፎ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ምርግጋፅን ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ዝህልዎም ተሳትፎ ንክዓቢን እኹል ምድላዋት ክግበሩ ከምዝግባእን እውን ገሊፆም እዮም።

ብተወሳኺ ድማ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ እዋን ምፍንቓል ዘጋጠሙዎምን ሐዚ እውን እናጋጠሙዎም ዘለውን ስነ ልቦናዊ ጉድኣትን ብዛዕባ ሜላታት ምጥያሽን ንተሳተፍቲ ሓበሬታ ዝህብ መብርሂ ዝተውሃበ እንትኸውን፤ ተሳተፍቲ እውን ተሞክሮታቶም ኣከፊሎም እዮም።

ኣብቲ መድረኽ ብዛዕባ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉሉ ኹነታት ምርዳእ በቐዳምነት ትኹረት ክወሃቦ ዝግባእ ዛዕባ ምዃኑ ዝተሓበረ እንትኸውን ምስእዚ ጎና ጎኒ ድማ ዝተፈናቐሉ ሰባት ብዝተሓላለኹ ኩነታት ዝሓልፉን ንጉድኣት ሰነ ልቦና ተጋላፅነቶም ዝውስኽ ብምዃኑን ንተመዛበልቲ ኣብ ዝግበሩ ሰብኣዊ ሓገዛት ውሽጢ ናይ ስነ ልቦናን ማሕበራዊ ሓገዝን ብዝግባእ ብምትእትታው እዋኑ ሓልዩ ክውሃብ ከምዘለዎ ተገሊፁ እዩ።

ኣብ ኮሰመኢ ዳይሬክተር ከይዲ ስራሕ መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣይተ ምሕረተኣብ ገብረመስቀል፥ ኣብ ሃገርና ናይሕጊን ዲሞክራሲን ልዕልና ንኽዓስል ኣብ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ተሳትፎ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ምርግጋፅ ኣድላይ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ እውን ኣብቲ ከይዲ ክህልዎም ዝግባእ እጃም ብዝምልከት ግንዛበኦም ከዕብዩ ከመዘለዎም ኣተሓሳሲቦም እዮም። እቶም ዳይሬክተር ብተወሳኺ ድማ ኮሰመኢ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒን ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃን ጉዳይ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ግቡእ ትኹረት ንኽረክብን ተሳትፎኦም ንኽረጋገፅን ኣጠናኺሩ ከምዝሰርሕ ገሊፆም እዮም።