ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ን7ይ ሃገራዊ መረፃ ዘዳለዎ ስርዓት መከታተሊ እዋናዊ ኩነት (Situation Room) ብዕለት 14 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ስራሕ ኣጀሚሩ እዩ፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኮሚሽነራት፣ ስራሕ ሓለፍትን ኪኢላታትን ኮሰመኢ ከምኡ እውን ተወከልቲ ትካል ዓለምለኸ ግብረሰናይ ጀርመን (GIZ – Deutsche Gesellschaft für Internationale Zusammenarbeit) ተረኺቦም እዮም፡፡


ኮሰመኢ ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ መመስረቲ ኣዋጅ ኣብ እዋን መረፃ ኩነታት ኣተሓላልዋ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምክትታል ሓላፍነትን ስልጣንን ብግልፂ ዝተውሃቦ እንትኸውን እዚ መከታተሊ ኩነት ከይዲ ሃገራዊ መረፃ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ምዃኑ ንምክትታል ዝሕግዙ ሜላታትን ኣገደስቲ ናይ ቴክኖሎጂ እታወታትን ዝተማልአሉ እዩ፡፡
መከታተሊ ኩነት ከይዲ መረፃ ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎን ኣብ ትካል ዓለምለኸ ግብረሰናይ ጀርመን ዳይረክተር ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዶሮቴ ሃተርን መሪቖም ከፊቶምዎ እዮም፡፡




እቲ መከታተሊ ኩነት ጥሕሰታትን ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮም ጉዳያትን ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ሓበሬታታት ብቅልጡፍ ናብ ማእኸል ንኽበፅሑ ብምግባር መፍትሒ ንምሃብ ንዝግበር ፃዕሪ ዘቀላጥፍ እዩ፡፡ እዚ ድማ ከይዲ መረፃ ብመሰረት ግቡእነት ብዘለዎም ኣዋጃት፣ ደንቢታትን መምርሒታትን ሰብኣዊ መሰላት ብዘኽበረ መንገዲ ምስላጡ ንምርግጋፅ፣ ዝኾነ ዓይነት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንከይፍፀሙ ቀዲምካ ንምክልኻልን እንተተፈፂሞም ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ቅልጡፍ መልሲ ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምፍጣርን፤ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ትሕዝቶ ዘለዎም ምስ መረፃ ዝተሓሓዙ ኩነታት ፀጥታ፣ ፀገማት ቴክኒክን ካልኦት ዕንቅፋታትን ኣብ እዋኑ ብምፍላጥ ግቡእ ፍታሕ ንምሃብ ከምዝጠቅም ተሓቢሩ እዩ፡፡

ኣብ ትካል ዓለምለኸ ግብረሰናይ ጀርመን ዳይረክተር ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዶሮቴ ሃተር ስራሕቲ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ኮሰመኢ ምጥንኻር ዓብይ ዓወት ምዃኑ ብምግላፅ ንመረፃ ፍሉይ ጠመተ ምሃቡ ብምንኣድ ትካለን ምትሕብባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን እየን፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ቀፃሊ መረፃ ዲሞክራሲያዊ፣ ኣሳታፊን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረን ምዃኑ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቲ መከታተሊ እዋናዊ ኩነታት ከይዲ መረፃ ልዑል ዓቕሚ ብምፍጣርን ኣብ ሕድሕድ ከባቢ ዝዋፈሩ ኪኢላታት ክትትል ካብ ዘለውሉ ቦታታት ብቐጥታ ሓበሬታ ብምሃብ ንውሳነ ዝሕግዝ ዓውዲ ዝፈጥር ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡ ወሲኾም ድማ ተመሳሳሊ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ አብ ብምፍጣር መዳይ ትካል ዓለምለኸ ግብረሰናይ ጀርመን ንዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም እዮም፡፡