ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ዙርያ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንዝሰርሑ መደበኛ ዘይኮኑ ወዳበታት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዕለት 11ን 12ን ሰነ 2018 ዓ.ም. ግንዛበ መዕበዪ ምይይጥ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ምይይጥ ዓቕሚ መደበኛ ዘይኮኑ ውዳበታት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብምዕባይ ስራሕቶም ምስ መትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብዝስማዕማዕ መንገዲ ንኸሳልጡ ንምሕጋዝ ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን ዘጣየሸኦም ኮሚቴታት ግልጋሎት ሰናይ ተግባር ኣመራርሓ ካብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን፣ ማእኸላዊ ኢትዮጵያ፣ ኦሮሚያ፣ ሲዳማ፣ ሶማሊን፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝተውፃፅኡ ተሳተፍቲ ተረኺቦም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ እንታይነት ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓትን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣቀባብላ ጥርዓናት ንጥሕሰት ተጋለፅቲ ብዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ዝቐርቡ ጥርዓናት፣ መሰረታዊ መትከላት ስነ-ስርዓት ምርመራ፣ ከምኡ’ውን ሜላታት ቃለ መሕቲት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንስነ-ልቦናዊ ጉድኣት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣወሃህባ ምላሽን ብተወሳኺ ድማ ኣሰራርሓ እተን ውዳበታት ንምጥንኻርን ንምድጋፍን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት መበገሲ ፅሑፋት ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ተሳተፍቲ ኣብ ከባቢኦም ዝፍጠሩ ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታትን ኣብ ከይዲ ምንቅስቓስ ስራሕቶምን ዘጋጥምዎም ማሕለኻታትን ኣካፊሎም እዮም፡፡ ኢድ ኣእታውነት ሽማግለታት፣ ሓበሬታታት ብዝግባእ ዘይምእካብን ጉድለታት ስርዓት ኣሰራርሓን፣ ዉስንነት ዓቕሚ ምቕባል ዝቐርቡ ጥርዓናት ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያ ኣወሃህባ መልሲ ድኽመት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ዝርኣዩ ፀገማት ምዃኖም ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣሸነፈች ኣበበ ብወገነን ንጥሕሰት መሰላት ተጋለፅቲ ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ፅፈት ዘለዎ፣ ቅልጡፍን ተበፃሓይን ሓገዝ ሕጊ ንምሃብ ንአፈፃፅማ ሃገራዊ ስትራቴጂ ናፃ ሓገዝ ሕጊ ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅ ብምፅዳቕ ተግባራዊ ምግባር ከምዘድሊ ብምግላፅ መደበኛ ዘይኮኑ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ዝህብዎም ናይ ሕጊ ድጋፋት ብፍላይ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምኽባር ኣገደስቲ ምዃኖም ሓቢረን እየን፡፡ እተን ኮሚሽነር ወሲኸን ድማ እዞም ግልጋሎታት ዝያዳ ክጠናኸሩን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮሱ ክኾኑን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን እየን፡፡