ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ምስ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብርሃኑ ኣዴሎ ትማሊ ዕለት 26 ጥቅምቲ ዘተ ኣካይዶም እዮም፡፡  

ኣብቲ ዘተ እቶም ኣምባሳደር ኮሰመኢ ንህንፀት ሰላም ዝገብሮም ፃዕሪታት ዝንኣዱ እንትኾን ዩናይትድ ስቴትስ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ዘለዋ ድጋፍን ናእዳን ገሊፆም እዮም፡፡  

ነቲ ዘተ ስዒቡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣምባሳደር ማሲንጋ “ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣርሲ ዝተፈፀመ ቕትለት ብዝምልከት ኮሰመኢ ንዘቕረቦ ዝርዝርን ግልፅን ፀብፃብ ከምኡ’ውን ኣብ መጀመሪ እዚ ዓመት እሱራት ንክፍትሑ ኣብ ምምችቻው ንዝገበሮ ፃዕሪ ኣሜሪካ ከምእትድግፎ” ገሊፆም እዮም፡፡  

እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለፂኡ ወሲኹ ድማ ዩናይትድ ስቴትስ “ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብኩናት ዝተሃሰዩ ከባቢታት ቁጠባዊ ሕውየት፣ ህንፀት ትካላት፣ ምምላስ ስርዓት ፍትሒ፣ ዲሞክራሲን ዳግመ ህንፀትን ምስፍሕፋሕን ማሕበራዊ ዘፈር ኣብ ዝግበር ዘላቒ ስራሕ ብልዑል ናህሪ ክካየድ ትፅበ” ኢሎም፡፡