ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብርሃኑ ኣዴሎ ምስ ኣምባሳደር ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾና ኣምባሳደር ክሪስቲን ፒረን ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሓሳብ ዝተለዋወጡ እንትኸውን ዝተርኣዩ ዋና ዋና ናይ ለውጢ ስጉምቲታትን ከምኡ እውን ጠመተን ቐፃልነት ዘለዎ ክትትልን ዝጠልቡ ህፁፅ ጉዳያት ኣልዒሎም ተመኻኽሮም እዮም።

ብተወሳኺ እውን ኮሰመኢ ብሃገርለኸ ደረጃ ዘካይዶም ስራሕቲ ክትትል፣ ሓለዋን ምስፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ዘኽእሉ ሓበራዊ ስትራቴጂካዊ መንገዲታት ትሕብብርን ኣብ ናይ መፃኢ ዓውዲታት ዘትዮም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ኣምባሳደር ክሪስቲን ፒረንን ልኡኸንን ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ኮሰመኢ ተረኺቦም ንዝገበርዎ ሃናፃይ ምይይጥን ምስ ኮሰመኢ ዘሎ ትሕብብር ንምጥንኻር ንዘርአይኦ ቖራፅነት ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም እዮም።