ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ምስ ፍሉይ ተወካሊ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮፓ ኢልዜ ብራንድስ ኬህሪስን ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊያ ፍሮም-ኤምስበርገርን ኣብ ዙርያ ስራሕቲ ሓለዋን ምስፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት ዕዉት ምይይጥ ገይሮም እዮም።




ኣብቲ ምይይጥ ኮሰመኢ ብብርኪ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባርን ንምስፍሕፋሕን ዝጀመሮም ስራሕቲ ትካላዊ ህንፀት ዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝክኣለሉ ዛዕባታት መኺሮም እዮም።
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ሓለዋን ምስፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ እናሰርሖም ብዘለዉ ስራሕቲን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እናካየዶም ዘለዉ ድጋፋትን ምስጋና ኣቕሪቦም እዮም።




ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓ ብወገኖም ኮሰመኢ ዘዳለዎ ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዝተሳኽዐ መንገዲ ንኽትግበር እቲ ሕብረት ዝክኣሎ ሓገዝን ትሕብብርን ንምብርካት ቑርፀኛ ምዃኑ ገሊፆም እዮም።
ካብ ህንፀት ትካላዊ ዓቕሚ ብተወሳኺ ኣብቲ ምይይጥ ኣብ እዋናዊ ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታት ከምኡ’ዉን ብመንፅር ሰብኣዊ መሰላት ዘተሓሳስቡ ጉዳያት ብዝምልከት ሓሳብ ተለዋዊጦም እዮም።

ኽልቲኦም ወገናት ኣብ ቐፃሊ ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ትሕብብር ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ተስማዕሚዖም እዮም።