ኮሰመኢ ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪል ዓሊ ኣባል ኮሚቴ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት (CESCR) ኮይኖም ብምምራፆም ዝተሰመዖ ልዑል ሓጎስ እናገለፀ፤ እቲ መረፃ ዘይሻራውያን ክኢላታት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት ብብርኪ ዓለምለኸ ኣብ ምኽባር ዘለዎም እጃም ኣፍልጦ ዝሃበ ምዃኑ ይገልፅ
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ በቲ ዝበፀሐ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ፤ በቲ ሓደጋ ንዝተፀለው ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ፣ ዝተወደበን ህፁፅን ናይ ሓደጋ ጊዜ መፍትሒ ንክወሃብ ኣተሓሳሲቦም
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ኣርሲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝበፅሕ ዘሎ ቕትለት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ናይ ንብረት ዕንወትን ምፍንቓልን ዕልባት ንኽረክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልል ኦሮሚያን እኹል ሓይሊ ፀጥታ ንክምድቡን ተሓታቲነት ምርግጋፃፅ ሓዊሱ ቅልጡፍ፣ ዝጭበጥን ዘላቒን ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ