ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ንምምሕያሽ ምስመዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ኣብ ምስራሕን ቖራፅነትን ወሳኒ እዩ
እዚ ኩነት መከታተሊ ሃገራዊ መረፃ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ምዃኑ ኣብ ምርግጋፅ መዳይ ልዕሉ እጃም ይፃወት
እቲ ስትራቴጂክ ትልሚ ንምስፍሕፋሕ፣ ንሓለዋን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰላት ሓገዝቲ ዝኾኑ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓታትን ቅልጡፍ ስርዓት ዝርግሐ ሓበሬታን ሓቒፉ ዝተዳለወ እዩ
ኩነታት ኣተሓሕዛ ተጠርጠርቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ምዃኑ ኣብ ምርግጋፅ መዳይ ትካላት ፖሊስ ዕዙዝ እጃም ኣለዎም
ክልላዊ ኣካላት ኣውፃኢ ሕጊ፣ ተርጓሚ ሕጊን ፈፃሚ ስራሕ ን ኣብ ምዕባይን ሓለዋን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዕውት ዝኾነ ስግግር ፍትሒ ተግባራዊ ንምግባርን ዓቢዪ ኣበርክቶ ይፃወቱ
ንምስፋሕ ሲቪክ ሃዋህውን ምጥንኻር ሓለዋ ተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓበራዊ ስራሕ መንግስታዊ ቑርፀኝነት፣ ናይ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰበን ኣገዳሲ እዩ
ኣብ ከባቢታት ብምርባሕ እንስሳ ዝመሓደሩ ማሕበረሰብ መሰል ትምህርቲ ንምርግጋፅ ትምህርቲ ምስ ኩነታት መነባብሮ እቲ ማሕበረሰብ ክጠዓዓም ምግባርን ተበፃሒነቱ ምርግጋፅን ኣገዳሲ እዩ
እዚ ሹመት ኮሰመኢ ኣብ ዘፈር ሰብኣዊ መሰላት መፍረዪ ብዙሓት ኣመራርሓታትን ኪኢላታትን እናኾነ ምምፃኡ ዘርኢ ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ እዩ
እቶም ስልጠናታት ንመናእሰይ፣ ንኣባላት ፖሊስን ኣብያተ ህንፀትን፣ ንኣረጋውያን፣ ንኣካላት ወሃብቲ ግልጋሎት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ንማሕበራት ጉዱኣት ኣካል፣ ንሰብሞያ ኪነ ጥበብ ከምኡ እውን ንሰራሕተኛታትን ስራሕ ሓለፍቲን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝተውሃቡ እዮም
ናይ ምኽትል ዋና ኮሚሽነርን ናይ ዘፈር ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽነራትን ሹመት፣ ናይ ኣመራርሓ ቐፃልነትን ቅልጡፍ ናይ ስራሕ ስግግርን ካብ ምርግጋፁ ንላዕሊ እቲ ኮሚሽን ዝተውሃብዎ ተልእኾታት ብብቕዓት ንኽዋፃእ ዘለውዎ ዓቕምታት ብዝበለፀ የጠናኽር