ላዕለዎት ስራሕ ሓለፍቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብምክትል ኣካቢ መላኒ ናገን ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ብሄራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሞሪሽየስ ምይይጥ ኣካይዱ።


ምስቲ ልኡኽ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ሓበራዊ ኣንፈታት ትሕብብርን ዝዘተዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሰመኢ ኮሚሽነር ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላትን መፅናዕትን በዳሳ ለሜሳን ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣሸነፈች ኣበበን እዮም።
ኣብቲ ዘተ ንልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሞሪሽየስ እዋናዊ ኣንፈታት ትኹረትን ዋና ዋና ስራሕቲን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ዝምልከት መብርሂ ተዋሂብዎም እዩ።


ኣብ ስትራቴጂክ ትልሚ 5 ዓመት እናተተግበሩ ዘለው ወሰንቲ ስራሕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብስፍሓት መብርሂ ተዋሂብዎም እዩ።
ክልቲኦም ትካላት ኣብ ሓለዋን ክትትልን ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ሓደሽቲ ዓውዲታት ስራሕን መኺሮም እዮም።


እዚ ተሞክሮ ልውውጥን ምይይጥን ርክብን ማዕቐፍ ትሕብብርን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክልቲኤን ሃገራት ዘጠናኽር ምዃኑ ተገሊፁ እዩ።