ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን (ኮሰመኢ) ኮሚሽን ምውፅፃእ ሓቂን ዕርቅን (ኮሚሽን ምርመራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዕርቅን ካሕሳ ጉዱኣትን) ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌን ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ምኽክር ኣካይዶም።
ብመሰረት ኣዋጅ ቑፅሪ 205/2014 እቲ ክልል ዝተጣየሸ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ምውፅፃእ ሓቂን ዕርቅን ክልል ሶማሌ ከይዲ ስራሖም፣ ዋና ዋና ርካቦታት፣ ዝተመዝገቡ ዘዕግቡ ስራሕትን ምኽሪ ሓሳባትን ከምኡ እውን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ዝተውሃቡ መፍትሒታትን ብሓፈሻ ዝተረኸቡ ተሞክሮታት ኣቕሪቦም እዮም።

ኮሰመኢ ብወገኑ ብዛዕባ ሃገራዊ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ብዝምልከት ብመንፅር ዝተውሃቦ ሓላፊነት ብብርኪ ፌዴራልን ክልልን ዘሳለጦምን እናሳለጦም ዘለው ተግባራትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ እዩ።
መዳርግቲ ኣካላት ክልልን ፌዴራልን ክራኸቡ ብምግባር፣ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ክልል ሶማሌ ምስ ከይዲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒ ክጠዓዓም ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ንምምኻር ዓላማ ኣብ ዝገበረ እዚ መድረኽ ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኮሰመኢን መተሓባበሪት ከይዲ ስግግር ፍትሒን ኮሚሽነር ኣሸነፈች ኣበበ፣ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋዊያንን መሓመድ ኣሕመድ ከምኡ እውን ኪኢላታት ተረኺቦም እዮም።


ኮሰመኢ እዚ ናይቲ ክልል ተሞክሮ ብእታወት ንምጥቃም ምስ ኮሚሽን እቲ ክልል፣ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል፣ ካብ ማሕበራት ጉዱኣትን ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ኣብ ቐፃሊ ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፁ እዩ።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም ካብቲ ክልል ዝተረኸቡ ብሉፃት ተሞክሮታትን ፅቡቓት ጅማሮታትን ምስፋሕ ኣብ ዝክኣለሉ፣ ቐፃሊ ትኹረት ኣብ ዝጠልቡ ጉዳያትን ኣብ ናይ ቀፃሊ ስጉምቲታት ትሕብብርን ብምዝታይ እቲ መድረኽ ተዛዚሙ እዩ።