ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ/ኮሚሽኑ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ናይ ቐደም ዞባ ኣርሲ በቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ኦሮሚያ ወረዳ ሲርካ ቀበሌ ቢርቦና ጮሌ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተፈፀመ ጥቕዓት ዘብፀሖም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ምርመራ ኣካይዱ እዩ፡፡  

በዚ መሰረት ኣብቲ ዕለት ብዝበፀሑ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ሞት፣ መጉዳእቲ ኣካል፣ ምምዝባልን ዕንወት ንብረትን ዝበፅሐ ምዃኑ ኮሰመኢ ኣብቲ ከባቢ ብኣካል ብምርካብ ካብ ግዳያት፣ ካብ ስድራ ግዳያት፣ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ካብ ተወከልቲ ማሕበረሰብ፣ ካብ ሓለፍቲ ትካላት ሃይማኖት፣ ኣብ ትካላት ሕክምና ክትትል ሕክምና እናገበሩ ካብ ዘለው ጉዱኣትን ካብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ሓበሬታታት ብምእካብ ከምኡ’ውን ናይ ከባቢ ምልከታን ሜላ ዲጂታል ምርመራ (digital investigation) ተግባራዊ ብምግባርን ከረጋገፅ ክኢሉ ኣሎ፡፡  

ኮሰመኢ ብዘካየዶ ምርመራ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ እቲ ክልል ወረዳ ሲርካ ኣብ ቀበሌ ቢርቦና ጮሌ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ካብ ንጉሆ ሰዓት 12፡30 ክሳብ ንጉሆ 2፡30 ሰዓት ኣብቲ ከባቢ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ንባዕሉ ናፅነት ሰራዊት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ ዕጡቕ ጉጅለ (ብተለምዶ “ኦነግ ሸኔ”) ናብታ ቀበሌ ብኣርባዕተ ኣንፈት ብምእታው ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ህይወት 23 ብብርኪ ቀበሌ ዝተወደቡ ኣካላት ፀጥታ፣ 5 ኣባላት ሚሊሻ፣ ከምኡ’ውን 13 ሰላማዊ ሰባት ክሓልፍ ከምዝኽኣለ ከረጋግፅ ክኢሉ ኣሎ፡፡ ካብቶም ዝተጠቐሱ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ 13 ሲቪል ሰባት ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ብዝተዓጠቑ መደበኛ ዘይኮኑ ዕጡቓት ውልቀሰባት 7 (ሸውዓተ) ሲቪል ሰባት ከምዝተቐተሉ ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ብዕጡቕ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ 20 ሰባት ናይ ኣካል መጉዳእቲ ዝበፅሐ እንትኸውን 21 መንበሪ ገዛውቲ ተቓፂሎምን 247 ስድራታት ካብቲ ከባቢ ተመዛቢሎምን እዮም፡፡ ንጊዚኡ ቑፅረን ዘይተፈለጠ እንስሳት እውን ተዘሪፈን እየን፡፡   

ኮሰመኢ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ሲርካ ቀበሌ ቢርቦና ጮሌ ብዘካየዶ ምርመራ ውልቀሰባት ኣብቲ ከባቢ ስሩዕ ብዘይኮነ መንገዲ ተዓጢቖም ብስፍሓት ዝንቀሳቐሱ ምዃኖም እውን ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ 

ኮሰመኢ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ናይ ቀደም ዞባ ኣርሲ ኣብ ወረዳታት ኣሰኮ፣ ኣንቆሎ ዋቤ፣ ጉናን መርቲን ብተደጋጋሚ ዝፍጠሩ መጥቃዕቲታት ብዝምልከት መንግስቲ ነቶም መጥቃዕቲታት ንምክልኻል፣ ድሕንነት ሰባት ንምሕላውን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ብሕጊ ተሓተቲ ንምግባርን ግቡእ ስጉምቲ ንኽወስድ ብተደጋጋሚ ከምዘተሓሳሰበ ዝዝከር እዩ፡፡ መንግስቲ መሰላት ብህይወት ናይ ምንባር፣ ድሕንነት ኣካልን ናፅነትን ክኽበሩ ናይ ምግባር፣ ናይ ምሕላውን ክማልኡ ናይ ምግባርን ግቡኡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ  ዓንቀፅ 13(1) ኣብ ኩሎም መንግስታዊ ኣካላት ፌዴራልን ክልልን ዝተውሃበ ግቡእ እንትኸውን ጥሕሰታት ካብ ምፅራይን ተሓታትነት ካብ ምርግጋፅን ብዝሓለፈ መጥቃዕቲታት መሊሶም ንከይፍፀሙ ዘኽእል ዘላቒ ናይ ምክልኻል ስጉምቲታት ምውሳድ እውን ካብ መንግስቲ ትፅቢት ይግበር፡፡ ከምኡ’ውን ካብ ውዳበታት ፀጥታ መንግስቲ ወፃኢ ዘለው ዘይስሩዕ ዕጡቓት ኣካላት ብዝምልከት ድማ ኣድላዪ ዘበለ ክትትል ክገብር ይግባእ፡፡ 

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝበፅሑ ቅትለታት፣ መጉዳእቲ ኣካል፣ ዕንወት ንብረትን ምምዝባልን ኣዚዮም ዘተሓሳስቡ ምዃኖም ብምግላፅ መንግስቲ በቲ መጥቃዕቲ ንዝተጎድኡን ተመሳሳሊ ስግኣት ፀጥታ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት እኹልን ዕውትን ሓለዋ ክገብር፣ ብፍላይ ድማ ኣወዳድባ ኣካላት ፀጥታ እቲ ከባቢ ብምግምጋምን ብምስትኽኻልን ስርዓት ቕድመ መጠንቀቕታ ብምጥንኻርን ንዝፍጠሩ ስግኣታት ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ብምሃብ ናይ ነበርቲ ናይ ህይወት፣ ድሕንነት ኣካልን ንብረትን ናይ ምምሕላው ሓላፊነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ በቲ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐ ጉድኣት ቅልጡፍ፣ ዘይሻራዊን ዕውትን ምርመራ ብምክያድ ተሓታትነት ከረጋገፅ፣ ንስድራ ስውኣትን ጉድኣት ንዝበፅሖምን ኣድላይ ዘበለ ድጋፋት ንከቕርብ፣ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ዘኽእል ከምኡ’ውን ንግዳያት ንምክሓስን ንምጥያሽን ዘኽእሉ ቅልጡፍ ስጉምቲታት መንግስቲ ክውስድ ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም፡፡  

ኮሰመኢ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታትን ጊዜን ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ዘብፅሕዎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን መንቀሊኦምን ብዝምልከት ከሳልጦ ዝፀንሐ ስልታዊ ምርመራ እናዛዘመ ዘሎ ኮይኑ ምድላው ፀብፃብ እቲ ምርመራ ምስተዛዘመ እቲ ፀብፃብ ዕላዊ ክገብር እዩ፡፡ ከምኡ’ውን እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልላት ጋምቤላ፣ ወሰናወሰን ወረዳታት ኦሮሚያን ሶማሊን፣ ኣምሓራን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝበፅሐ ጥቕዓት ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተኻየደ ኩናት ብዝተሓሓዝ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ምርመራን ክትትልን አናሳለጠ ይርከብ፡፡