ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕን ማሕለኻታት ንምፍታሕን ትሕብብር ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሓ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዕዙዝ እጃም ይፃወት
ትግበራ መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንክመሓየሽ ኣብ መንጎ ኮሰመኢን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዘሎ ምትእስሳር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ
ዝተጠናኸረ ዓቕሚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ርኡይ እጃም ይፃወት
ጉዱኣት፣ ንዝበፅሖም ጉድኣት ኣፍልጦ ምሃብን ኣብ ከይዲታት ምድላው ስግግር ፍትሒ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽህልዎም ምግባርን ንዕውት ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኣገዳሲ እዩ
ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ መሰላት ተጋለፅቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ዝተዋደደ ሓገዝን ክትትልን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ወሳኒ እዩ