ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ተበፃሓይነት/ምቹዉነት መንገዲታትን ህንፃታትን ንጉዱኣት ኣካል ብዝምልከት ዘካይዶ ዘሎ ስርዓታዊ ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ኣካል ዝኾነ ህዝባዊ መድረኽ ምስክርነት-ቃል (public hearing) ብዕለት 20ን 21 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣካይዱ እዩ። እቲ መድረኽ ኣብ ተበፃሓይነት መንገዲታት፣ ህንፃታትን ህዝባዊ ግልጋሎታትን ንጉዱኣት ኣካል ዘጋጥሙ ዘለዉ ዕንቅፋታት ዘተኮረ እዩ። እዚ መድረኽ መቐፀልታ ኣብ ተበፃሓይነት ህንፃታት ዘተኮረ ብዕለት 17ን 18ን ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ዝነበረ ህዝባዊ መድረኽ እንትኸውን ሰፊሕ ስርዓታዊ ምርመራ ንምክያድ ከም መበገሲ  ዝኾነ መድረኽ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ኮሰመኢ ካብ 8 ደቂ ኣንስትዮን 16 ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ ካብ 24 ግዳያት ዝቐረቡ ልዕሊ 70 ዝተፈላለዩ ጥርዓናት ሰብኣዊ መሰላት ሰሚዑ እዩ። ካብቶም ግዳያት 7 ዓይነ ስውራን፣ 15 ዝተፈላለየ ኣካል ጉድኣት ዘለዎም፣ 2 ድማ ምስማዕ ዝሰኣኑ እዮም። 19 ግዳያት ባዕሎም ብኣካል ቀሪቦም ጥርዓኖም እንተቕርቡ፣ ሓደ ድማ ብምስጢር ተሰሚዑ ዝተረፉ ኣርባዕተ ድማ ብወከልቶም ኣቢሎም ቃሎም ዝሃቡ እዮም።

ብመሰረት እቲ ህዝባዊ መድረኽ ምስክርነት-ቃል (መጋባእያ) ኣብ ኢትዮጵያ ተበፃሓይነት መንገዲታትን ህንፃታትን ንጉዱኣት ኣካል ዘሻቕልን ህፁፅ ፍታሕ ዘድልዮን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ይቕፅል ምህላው ተሓቢሩ እዩ። ተበፃሓይነት መንዲታትን ህንፃታትን ዘይምህላዉ ጉዱኣት ኣካል ከም መሰል ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ስራሕን ህዝባዊ ግልጋሎታትን ብማዕርነት ናይ ምርካብ፣ ብናፅነት ናይ ምንቅስቓስን ኣብ ህዝባዊ በዓላት ናይ ምስታፍን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መሰላቶም ንከይጥቀሙ ዓብዪ ዕንቅፋት ይፈጥረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ እዩ። ብተወሳኺ እውን፣ ንጉዱኣት ኣካል ኣካላዊ፣ ስነ-ልቦናዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ደሕንነቶም ንዝፀልው ርኡያት ሓደጋታት የቃልዖም ምህላዉ ዘረጋገፀ መድረኽ እዩ።

ኮሰመኢ እዚ ስርዓታዊ ምርመራ ከካይድ ዘገደዶ ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ መሓውራዊ፣ ተኸታታሊን ሰፊሕን ዝርግሐ እዚ ፀገም ዘሻቕል ብምዃኑ እዩ። ስርዓታዊ ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንበይኖም ካብ ዝተነፀሉ ፍፃመታት ንላዕሊ ተኸታታልነት ዘለዎምን ዝተኣሳሰሩን ኩነታት ጥሕሰት ንምምርማርን ነዞም ጥሕሰታት ንክፍጠሩ ምኽንያት ዝኾኑ መሓውራትን ምኽንያታትን ንምንፃር ይሕግዙ። እዚ ድማ እቶም ቀንዲ ፀገማት ንምልላይን ዘላቒ መፍትሒ ዘምፅእ ለውጢ ንምትግባርን ኣንፈት ዝሕብር እዩ። ህዝባዊ መድረኻት ምስክርነት-ቃል ድማ ግዳያት ተጓንፎታቶም ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ትካላትን መንግስታውን ዘይመንግስታውን መዳርግቲ ኣካላትን ከቕርቡ ዘኽእል ብምዃኑ ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ከም ሓደ መስርሕ ኣካል ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ተጓንፎኦም ዘካፈሉ ግዳያት ከም ዝገለፅዎ፤ ምቹውነት ዘይብሎም መንገዲታትን ህንፃታትን ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ዓበይቲ ማሕለኻታት ከምዝኾኑዎምን ሰብኣዊ መሰላቶም ንከይጥቀሙ ከምዝኸልእዎምን ሓቢሮም እዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ምርካብ ግልጋሎት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ዕድል ስራሕን ካልኦት ህዝባዊ ግልጋሎታትን ዘለዉ ብድሆታት ብምጥቃስ ምቹውነት ብዘይብሉ መሰረተ-ልምዓት ምኽንያት ዘጋጥሙዎም ከበድቲ ናይ ድሕንነት ሓደጋታት እውን ኣጉሊሆም ኣርእዮም እዮም። ብተወሳኺ ድማ ብኢትዮ ቴሌኮም፣ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ካልኦት ትካላትን ዝካየዱ ዝርግሐ ስራሕቲ መሰረተ-ልምዓት ስዒቡ ክፍቲ ዝግደፉ ጉድጓዳት ብዘይ እኹል መጠንቀቕታን ምልክትን ስለዝግደፉ ፍሉይ ሻቕሎት ዝፈጠረ ጉዳይ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ።

እቶም ግዳያት ከም ዝገለፅዎ ኣብ ትካላት ጥዕና ንጉዱኣት ኣካል ኣብ ግምት ዘየእተው ሽቓቓትን መእተዊታትን ምህላዎም፤ ጉዱኣት ኣካል ሕክምናዊ ግልጋሎት ንምርካብ ኣዝዩ ፈታኒ ከምዝኾኖምን ኣብ እዋን ሕማም ከይተረፈ ብምኽንያት ምቹውነት ብዝጎደሎ መሰረተ-ልምዓት ንተወሳኺ ስቓይ ከምዝጋለፁ ሓቢሮም እዮም። ብፍላይ ጉዱኣት ኣካል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን በዚ ምኽንያት ዘጋጥመን ሕሰም ዝመልኦ ፀገማት ብምግላፅ፤ ኣብ ትካላት ክንክን ጥዕና ተበፃሒ/ምቹው ዝኾነ ኣሰራርሓ ወይ ፍሉይ ሓገዝ ስለዘየለ ንሰብኣዊ ኽብረን ዝትንክፍን ዘዋርድን ኩነታት ከምዝገጥመን መስኪረን እየን።

ብተወሳኺ ድማ ተበፃሓይነት ትካላት ትምህርቲ ዘይምህላው፤ ጉዱኣት ኣካል ብትምህርቲ ኣቢሎም ዓርሶም ንከይኽእሉን ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ህይወት ንቑሕ ተሳትፎ ንኸይገብሩን ዓብዪ ዕንቅፋት ዝፈጥር ምዃኑን ተሓቢሩ እዩ። ብተመሳሳሊ እውን ምቹውነት ዘይብሎም ናይ ስራሕ ቦታታት ንብዙሓት ጉዱኣት ኣካል ካብ ስሩዕ ቀፅሪ ስራሕ ወፃኢ ንክኾኑ ይገብሮም ምህላው ብምሕባር መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዘይስሩዕ ስራሕቲ ንኸዘምብሉ፣ ንስእነት ስራሕ ንኽጋለፁን ኣብ ሰብ ፅግዕተኛ ንክኾኑን ከምዝግደዱ ተገሊፁ እዩ። ግዳያት ከምዝሓበርዎ ንጉዱኣት ኣካል ምቹውነት ዘይብሎም ህዝባዊ ትካላት ጉዱኣት ኣካል ከም ግልጋሎት ባንኪ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ዝበሃሉ ግልጋሎታት ንምርካብ ኣብ ሓገዝ ካልኦት ሰባት ንክምርኮሱ የገድዶም ከምዘሎ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ብሓፈሻ 23 ጥርዓን ዝቐረበሎም ትካላትን ዝምልከቶም ሰበስልጣናት መንግስትን ንዝተልዓሉ ጥርዓናት መልሲ ንምሃብ ተሳቲፎም እዮም። ነቶም ዝቐረቡ ምስክርነታት ስዒቡ ጥርዓን ዝቐረበሎም ስራሕ ሓለፍቲ ንትካላቶም ዝምልከት ዝተለዓሉ ሓያሎ ፀገማት ከምዘለው ብምእማን፤ ንጉዱኣት ኣካል ምቹው ዝኾኑ መንገዲታትን ህንፃታትን ንምርግጋፅ ዘድሊ ናይ ምምሕያሽ ስጉምቲታት ንምውሳድ ቃል ኣትዮም እዮም። ብተወሳኺ እውን እቶም ትካላት ምስ ዝምልከቶም ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ብሓባር ብምስራሕ ናይ ተበፃሕነት/ምቹውነት መዐቀኒታት (standards) ተፈፃምነት ብዝግባእ ንምምላእ እውን ቃል ኣቲዮም እዮም። ፍቓድ፣ ቁፅፅርን ክትትልን ህንፀት ህንፃታት ናይ ምቁፅፃር ሓላፍነት ዘለዎም ድማ ተፈፃሚነት ሕጊን ስርዓት ቁፅፅርን ንምጥንኻር ሓላፊነቶም ከምዝዋፅኡ ኣረጋጊፆም እዮም።

መንገዲታትን ህንፃታትን ህዝባዊ ግልጋሎት ቅድሚ ምጅማሮም ምስ ሃገራውን ዓለምለኻውን ሕጋዊ መዐቀኒታት (standards) ብዘማልአ መንገዲ ዲዛይን ከምዝተገበሩ፣ ከምዝተሃነፁን ዕቱብ ክትትል ከምዝተገበረሎምን ምርግጋፅ ከምዝግባእ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ። ትካላት ጥዕና፣ ባንከታት፣ ኣብያተ-ትምህርትን ካልኦት ናይ ህዝብን ናይ ውልቀሰባትን ትካላት ምሉእ ተበፃሓይነት ንምርግጋፅን ንጉዱኣት ኣካል ዝሓቁፍን ግልጋሎት ክህቡን ዝግደዱ እንትኾኑ፤ ምስ ተበፃሓይነት/ምቹውነት ኣብ ዝተኣሳሰሩ ውሳነታት ድማ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት (ጉዱኣት ኣካል) ርእይቶታት ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ከተኣታትዉ ከምዝግባእ ኣገዳሲ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ።

ኮሰመኢ ኩሎም ዝምልከቶም መልሲ ወሃብቲ ትካላት ነቶም ዝቐረቡ ለበዋታትን ምኽሪ ሓሳባትን ምሉእ ብምሉእ ከተግብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ፍቓድ ህንፃ ዝህቡን ቁፅፅር ዝገብሩን በዓልመዚ ትካላት ተፈፃሚነት እዞም ምኽሪ ሓሳባት ብዕቱብ ክከታተሉን ክትግበሩን ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢታዊ ክትትልን ቁፅፅርን ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር ሲቪል፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን መሰላት ዝኾኑ ዶ/ር ኣብዲ ጂብሪል ኣብ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ጉዱኣት ኣካል ብሰንኪ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ኣድለይቲ ዝኾኑን ክጥቀሙዎም ዝግብኡን ዘይምቹው መንገዲታትን ህንፃታትን ዘጋጥሞም ዘሎ ኩነታት ዘሻቕል ምዃኑ ገሊፆም እዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ከም ግልጋሎት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ማዕረ ተረባሕነት ህዝባዊ ግልጋሎታት፣ ናፅነትን ክብርን ዝመሳሰሉ መሰላቶም መዓልታዊ ብዝግባእ ክጥቀሙ ኣይከኣሉን ክብሉ ገሊፆም እዮም። ዶ/ር ኣብዲ መሰረተ-ልምዓት ብልዑል ወፃኢ ዝህነፅ ብምዃኑ ብዘይ ምንም ኣፈላላይ ንኹሉ ሰብ ዘገልግል ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ተበፃሕቲ መሰረተ ልምዓት ንዝሃንፁ ትካላት ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበሩ ዶ/ር ኣብዲ ተጓንፎታቶም ብምንጋር ዘጋጥሙ ሓቅታት ንዘቃልዑ ግዳያት ዘመስገኑ እንትኸውን እቶም ኮሚሽነር መአረምታ ስጉምቲታት ንምውሳድን ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንምምፃእን ቃል ንዝኣተዉ ትካላት እውን ናእዳኦም ገሊፆም እዮም።