ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ሓለዋ ንምግባርን ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብን ኣብ ዝተትሓዙ ትልሚታት፣ ጥጡሕ ባይታን ማሕለኻታትን ብዝምልከት ብዕለት 18 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ኣካይዱ እዩ፡፡

እቲ መድረኽ ምኽክር ምስ Regional Durable Solutions Secretariat (ReDSS)፣ Lutheran World Federation (LWF)ን Ethiopia Conflict Sensitivity Hub (ECSH)ን ብምትሕብባር ዝተዳለወ እንትኸውን ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ሚኒስቴር ሰላም፣ ኮሚሽን ኣመራርርሓ ሓደጋ ስግኣት ኢትዮጵያ፣ ጉዳዩ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲን ተወከልቲን ክልላት፣ ተወከልቲ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ከምኡ እውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ባንኪ ዓለምን ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ሓለዋን ድጋፍን ዝገብሩ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ዓለምለኸ ትካላትን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ እዋናዊ ኩነታት ኣተገባብራ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ዘላቒ ፍታሕን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ብዝምልከት ብሚኒስቴር ሰላም ፌዴሪኢን ብኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ኢትዮጵያን ንተሳተፍቲ ገለፃ ተገይሩ እዩ፡፡ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዘፀግም ኩነታት ዝርከቡ ብምዃኖም መንግስቲ ፌዴሪኢ ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ክልል ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ምስ ክልላት ብምትሕብባር ድጋፍ ምግባርን ብዘላቒነት ምጥያሽን ሓላፊነት ከምዘለዎ ተገሊፁ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ምምዝባል ንምክልኻልን ድሕሪ ምፍንቓል ድማ ምላሽ ንምሃብን ዘኽእሉ ፖሊሲታትን ማዕቐፋት ሕጊን ዋላኳ እንተሃለዉ ብምኽንያት ስእነት ሰላምን ድሕንነትን፣ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ብዘይምምላእ ከምኡ’ውን ድኽመት ትእስስርን ቑርፀኝነትን ክንድቲ ዝድለ ለውጢ ምምፃእ ከምዘይተኽኣለ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ካብ ኣቕርቦት ምግቢ ብዝሓለፈ ተመዛበልቲ ምርጫኦም ብዘኽበረ መንገዲ ብዘላቒነት ንምጥያሽ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ብምዃኑ ክልላት ሓላፊነቶም ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ቀሪቡ እዩ፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ስራሕ ሓለፍቲ ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ኮሚሽን ክልላት ኣብ ክልሎም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘላቒ ፍታሕን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ኣካፊሎም እዮም፡፡ በዚ ድማ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ማእኸላዊ ኢትዮጵያን ሃረሪን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዋላኳ ብዘላቕነት ንምድጋፍ ፃዕሪታት እንተሃለው ብምኽንያት ፀገም ፅጥታን ኣብ መንጎ ክልላት ብዘሎ ድኹም ርክባትን ካብ ዘመሓድርዎ ክልል ወፃኢ ተመዛቢሎም ንዝርከቡ ዜጋታት ዘላቒ ፍታሕ ክህቡ ከምዘይተኽኣለ ኣረዲኦም እዮም፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ መንጎ ለኣኺን ተቐባሊን ክልላት ምትእምማን ንኽፍጠር ኣብ ግልፂ ኣጀንዳ ምዝርራብ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡

ተወከልቲ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ብወገኖም ፍታሕ ከይረኸቡ ንዓመታት ኣብ መዕቖቢ ጣቢያታትን ተቐባሊ ማሕበረሰብን ኣዕቑቦም ብምፅንሖም ንዝኸፍአ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ስነ ልቦናውን ፀገማት ከምዝተቓልዑ ገሊፆም እዮም፡፡ ንተመዛበልቲ ዝግበር ሰብኣዊ ድጋፍ ዋላኳ ህይወት ንምፅናሕ ኣገዳሲ እንተኾነ ዋና ምርጫኦም ግን ብዘላቒነት ተጣይሾም፣ ሰሪሖምን ኣምሪቶምን ዓርሶም ምምሕዳር ብምዃኑ መንግስቲ ዘላቒ ፍታሕ ንከመቻችየሎም ሓቲቶም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ዳይረክተር ስራሕ ክፍሊ መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ምሕረተኣብ ገብረመስቀል ኣብ ዝገበርዎ ንግግር ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረ ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ብምይይጥ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ዳይረክተር ወሲኾም ድማ ብመዳይ ኮሰመኢ ንቐፃሊ ተመሳሳሊ መድረኻት ምይይጥን ምኽክርን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብምሕባር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓላፊነቶም ንኽዋፅኡ ሓቲቶም እዮም፡፡