ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ዙርያ ናፅነት ዳይነትን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒን ሪፎርም ዘፈር ፍትሒን ምስ ላዕለዎት ስራሕ ሓለፍቲ ኣካላት ፍትሒን ዳያኑን ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ብዕለት 20 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሆሳእና ግንዛበ መዕበዪ መድረኽ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዋና ኣፈ ጉባኤ እቲ ክልል ኽብርቲ ፋጤ ስርሞሎን ፕሬዝዳንት ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል እርሴኖ አቡሬን ሓዊሱ ናይ ዝተፈላለያ ዞባታትን ፍሉይ ወረዳታትን ኣመሓደርቲ፣ ትካላት ዘፈር ፍትሒ እቲ ክልልን ጉዳዩ ዝምልከቶም ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎም እዮም፡፡





ኣብቲ መድረኽ ናፅነት ዳይነትን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ትካላት ዳይነት ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም እጃምን ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ዘድሃቡ ፅሑፋት ቀሪቦም ምይይጥ ተገይሩሎም እዩ፡፡ ላዕላውነት ሕጊ ንምኽባር፣ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላውን ትካላት ፍትሒ ብዓይኒ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነትን እምነትን ንምዕባይ ዘይሻራዊ ስርዓት ዳይነት ኣገዳሲ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ተሓታትነት ንምርግጋፅ፣ ንጉዱኣት ንምክሓስን ከምኡ’ውን ዘላቒ ሰላምን ዕርቅን ንምርግጋፅን ተኣማኒ፣ ሓቛፋይን ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረን ትግበራ ስግግር ፍትሒ ወሳኒ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ፡፡

ዋና ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ፋጤ ስርሞሎ ኣብ ዝገበርኦ ንግግር ኮሰመኢ እቲ ግንዛበ መዕበዪ መድረኽ ምድላው ኣብቲ ክልል ዘሎ ዓቕሚ ትካላት ፍትሒ ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ገሊፀን እየን፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ብወገኖም ስጡም ትካላዊ ምትሕብባር ብምምስራትን ቐፃልነት ዘለዎ ግንዛበ መዕበዪ ስራሕቲ ብምስራሕን፣ ዘይሻራዊን ተሓታትነት ዝዓሰሎ ስርዓት ፍትሒ ምህናፅ ከምዝከኣል ብምግላፅ ኣብቲ ክልል ዘለው ትካላት ፍትሒ ንምጥንኻርን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ንኽሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡