ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብዕለት 4 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ግንዛበ መዕበዪ መድረኽ አዳልዩ እዩ። እቲ መርሃ ግብሪ መራሕቲ ትካላት ሃይማኖት ብዛዕባ ስልጣንን ሓላፊነትን ኮሰመኢ ከምኡ’ውን ኣብ መትከላት ክትትል ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ሜላታት ኣተኣኻኽባ ሓበሬታን ኣብ ስርዓታት ቅድመ-መጠንቀቕታን ዙርያ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይ ዓላማ ዝገበረ እዩ።



ኣብቲ መድረኽ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፣ ካብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፣ ካብ ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካዊት ኢትዮጵያ፣ ካብ ካውንስል ኣመንቲ ወንጌልን ካብ ቤተ ክርስቲያን ሻውዓይ መዓልቲ ኣድቬንቲስትን ዝተወከሉ ተሳተፍቲ ተረኺቦም እዮም።



ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብዛዕባ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት፣ ስርዓት ቅድመ-መጠንቀቕታ፣ እጃም ትካላት ሃይማኖት ኣብ ምስፍሕፋሕን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ስግኣት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት እንተጋጥም መፍትሒ ንምሃብ ትካላት ሃይማኖት ምስ ኮሰመኢ ብሓባር ምስራሕን ንዘጋጥሙ ፀገማት መፍትሒ ምሃብን ኣብ ዝኽእልሉ ኹነታት መኺሮም እዮም።




ብተወሳኺ እውን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰል ኢትዮጵያን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ኣብ ዙርያ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ህንፀት ሰላምን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ኩነታት ብዕለት 19 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ጅማ ዝተፈራረምዎ ውዕሊ ሰነድ ናብ ተግባር ንምሽራፍ ዘኽእሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።




ምኽትል ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖር ኢትዮጵያ ሓጂ መስዑድ ኣደም ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ ናይ ምግባር ሓላፊነት ናይ ኩሉ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ እቲ ጉባኤ ምስ ኮሰመኢ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ድልውነት ኣረጋጊፆም እዮም።
ምኽትል ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ብወገኖም ትካላት ሃይማኖት ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ዘለዎም እጃም ዕዙዝ ምዃኑ ብምሕባር ንመፃኢ ግንዛበ ኣብ ምዕባይን ትምህርቲን ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ኣብ ቅድመ መጠንቀቕታ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም እዮም።