ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ)፤ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዕለት 15 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ 5ይ ዓመት መበል 16 ስሩዕ ኣኼባ ዘፅደቖ ሹመት ምክትል ዋና ኮሚሽነርን ናይ ዘፈር ኮሚሽነራትን ደስታኡ ይገልፅ፡፡ እዞም ዝተውሃቡ ሹመታት ብናይቲ ኮሚሽን መመስረቲ ኣዋጅ ቑፅሪ 210/1992 (ብኣዋጅ ቑፅሪ 1224/2012 ዝተመሓየሸ) መሰረት ዘይሻራዊ ኾይኑ ብዝተጣየሸ መምረፂ ኮሚቴ ግልፂ ብዝኾነ ናይ ህዝቢ ጥቆማን ከይዲ ምልመላን መሰረት ገይሮም ዝተውሃቡ እዮም፡፡

በዚ መሰረት ድማ፣ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ታደሰ ናይ ኮሰመኢ ምኽትል ዋና ኮሚሽነር ኾይኖም ተመዚዞም እዮም፡፡ ዶ/ር ሚዛኔ ስሙይ ምሁር ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት እንትኾኑ ኣብ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ብትካላዊ ምምሕያሽን ብመዳይ ትምህርቲ ሕጊን ነዊሕ ልምዲ ዘለዎም እዮም፡፡ ኣብ ውሽጢ ኮሰመኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ናይ ኣመራርሓ ሓላፊነት ዘገልገሉ እንትኸውን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ዋና ኣማኻሪ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብምዃን ኣብ ልምዓት ፖሊሲን ህንፀት ትካልን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ እዮም፡፡

ኣይተ በዳሳ ለሜሳ ከበደ ድማ ኮሚሽነር ትምህርትን ስልጠናን ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ተመዚዞም እዮም፡፡ ኣይተ በዳሳ ኣብ ክትትልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላትን ብትካላዊ ኣመራርሓን ነዊሕ ልምዲ ዘለዎም ስሙይ በዓልሞያ እዮም፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኮሰመኢ ላዕለዋይ ዳይሬክተር ክትትልን ምርመራን ብምዃን ዘገልገሉ እንትኾን ብሞያዊ ብቕዓቶም ናይቲ ኮሚሽን ኣፈፃፅማ ስራሕን ስርዓት ኣሰራርሓን ኣብ ብምጥንኻር መዳይ ርኡይ እጃም ተፃዊቶም እዮም፡፡

ኣይተ መሓመደ ኣሕመድ ሓሰን ድማ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ብምዃን ተሸይሞም እዮም፡፡ ኣብ መዳይ ፍትሒን ሰብኣዊ መሰላትን ልዕሊ 18 ዓመታት ልምዲ ዘለዎም እንትኾኑ ኣብ ኮሰመኢ ሪጅናል ዳይረክተር ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ክልል ዓፋር ብዳይነት ካብ ምግልጋሎም ብተወሳኺ ኣብ መዳይ ስርዓት ፍትሒ፣ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላዊ ሪፎርምን ዘለዎም ዓሚቕ ፍልጠትን ልምዲን ናብቲ ሓዱሽ ሓላፊነቶም ሒዞም መፂኦም ኣለው፡፡

ኮሰመኢ ብተመሳሳሊ ድማ ወይዘሮ ኣሸነፈች ኣበበ ኣልቢን ኮሚሽነር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብምዃን ምምዛዘን ይገልፅ፡፡ ካብ ፌዴራል ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ምክትል ፕሬዝዳንትነት ዝመፅኣ ወይዘሮ ኣሸነፈች ብዳይነት፣ ብዓቃቢ ሕጊን ብኪኢላ ሕጊን ዘገልገላ ስሙይ ናይ ፍትሒ ዘርፊ ኣመራርሓ እየን፡፡ ብፍላይ ድማ ንህፃናት ማእኸል ዝገበረ ናይ ፍትሒ ስርዓት ኣብ ምዕባይ፣ ንህፃናት ዝስማምዑ መጋባኢያታት ኣብ ምጥያሽን ኣብ ከይዲ ምኽባር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ልዑል እጃም ኣበርኪተን እየን፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ንተሸወምቲ ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም መልእኽቲ ዘሕለፉ እንትኸውን፣ “ናይ ምኽትል ዋና ኮሚሽነርን ኮሚሽነራት ዘፈርን ሹመት ናይቲ ኮሚሽን ኣመራርሓ ንምጥንኻር ዝተወሰደ ዓቢይ ስጉምቲ እዩ” ኢሎም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽንር ወሲኾም ድማ፣ “ናይቲ ኮሚሽን ልኡኽ(ተልእኾ) ብዕምቆት ዝርድኡ ስሙያት ሰብሞያ ኣብዚ ዝተውሃቦም ናይ ሓላፊነት ቦታ ምምዛዞም ናይ ትካላዊ ዓቕምና መርአይ ብምዃኑ ፍሉይ ሓጎስ ይስመዓኒ፡፡ እዚ ድማ ናይ ኮሰመኢ ናይ ኣሰራርሓ ቐፃልነትን ዝተሳለጠ ስግግርን ካብ ምርግጋፁ ንላዕሊ ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንክህሉ የኽእል፡፡ ብተመሳሳሊ ድማ ሓደሽቲ ምልከታታትን ልምዲታትን ሒዞሞ ዝመፀኡ ኣመራርሓ ብምቕባልና ሕጉሳት ኢና፡፡ እዚ ጉጅለ ብሓባር ብምዃን ንኹሎም ደቂ ሰባት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኽባርን ክኽበር ኣብ ምግባርን ልኡኽቶና የሳኽዕ እዩ” ክብሉ ገሊፆም እዮም፡፡