ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ውሽጢ 4 ክልላትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝርከባ 13 ማእኸላት ተሃድሶን ትካላት ጥዕናን ናይ ጉዱኣት ኣካል ግልጋሎት ተሃድሶን ሓገዛዊ መሳርትሒታትን ናይ ምርካብ መሰል ብዝምልከት ብዘካየዶ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተረኸቡ ርካቦታት ብዕለት 13 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምይይጥ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ክትትል ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ማእኸላት ተሃድሶ ከምኡ እውን ሪፈራል ሆስፒታላትን ዝተኻየደ እዩ፡፡


ኣብቲ ዘተ ካብ ቤት ዕዮ ሚኒስትራት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ትካላት ጥዕና፣ ማእኸላት ተሃድሶ ኣካል ጉድኣት፣ ቢሮ ጥዕና ክልላት፣ ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ከምኡ እውን ስራሕ ሓለፍቲን ኪኢላታትን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ተረኺቦም እዮም፡፡
ኣብቲ ምይይጥ መድረኽ እንታይነት ግልጋሎት ተሃድሶ ከምኡ እውን ግልጋሎት ተሃድሶ ዝምልከቱ ዓለምለኸን ሃገራዊን ማዕቐፋት ሕጊን ፖሊሲን መብራህርሂ ተዋሂቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኮሰመኢ ብዘካየዶ ክትትል ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝተረኸቡ ዘተባብዑን ትኹረት ዝጠልቡን ጉዳያት ቀሪቦም እዮም፡፡ ንግልጋሎት ተሃድሶ ዝምልከቱ ማዕቐፋት ሕጊ ምህላዎም፣ ዝተወሰኑ ሓገዛዊ መሳርሒ ናውቲታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክምረቱ ምጅማሮም፣ ኪኢላታት እቲ ዘፈር ሞያዊ ስነ ምግባር ዝተኸተለ ግልጋሎት እናሃቡ ምዃኖም፣ ግልጋሎት ኣካላዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ (የኢትዮጵያ አካል ድጋፍ አገልግሎት) ብንፅፅር ዝሐሸ ሓገዛዊ መሳርሒታት ኣቕርቦት ዘለዎ ምዃኑን ብኣወንታ ዝተጠቐሱ እዮም፡፡


ብካልእ መዳይ ድማ ናይ ተሃድሶን ግልጋሎት ሓገዛዊ መሳርሒታትን ዝህቡ ትካላት ውሑዳት ምዃን፤ ርሑቕን ብቐሊሉ ንምብፃሕ ኣፀጋሚ ኣብ ዝኾኑን ከባቢታት ገጠር ተበፃሒ ዘይምዃን፤ ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ናይ ሓይሊ ሰብ ሕፅረት ምህላውን ትምህርቲ ግልጋሎት ተሃድሶ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘይወሃብ ምዃኑን ትኹረት ዝጠልቡ ተባሂሎም ዝተነፀሩ ነጥቢታት እዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ናይ ሓገዛዊ መሳርሒታት፣ ሕፅረት ቴክኖሎጂን ቀረብ ማሽናትን፣ ግልጋሎት ዝህቡ ዘለው መሳርሒታትን ማሽናትን ዝኣረጉን ዝተበላሸውን ምዃኖም፣ ግልጋሎት ተሃድሶ ዝወሃበሎም ቦታታት ምቹው ዘይምዃን፣ ንኹሎም ዓይነታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ዝህብ ኩለንተናዊ (comprehensive) ግልጋሎት ተሃድሶ ዘይምህላው፣ እቲ ዘፈር ዝምርሐሉ ማዕቐፍ ፖሊስን መርሃ ግብሪ ተግባርን ዘይምህላውን ልዑል ሕፅረት በጀትን ክስተኻኸሉ ዝግብኦምን ትኹረት ዝጠልቡን ተባሂሎም ዝተልዓሉ ጉዳያት እዮም፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ግልጋሎት ተሃድሶ ዝጠልብ ህዝቢ ብዙሕ ብምዃኑ ግልጋሎት ተሃድሶ ዝህቡ ትካላት ብመሳርሒን ብሓይሊ ሰብን ንክጠናኸሩ፣ እቲ ዘፈር ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንክትኣታቶ፣ መንግስቲ ፖሊሲ ግልጋሎት ተሃድሶ ብምሕንፃፅ ነቲ ዘፈር ትኹረት ንኽህብን እኹል በጀት ንኽምድብን ከምኡ እውን ናይ ግንዛበ መዕበዪ ስራሕቲ ብስፍሓት ንክሳልጥን ሓቲቶም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን መሓመደ ኣሕመድ ግልጋሎት ተሃድሶን ሓገዛዊ መሳርሒታት ናይ ምርካብን መሰል ጉዱኣት ኣካል ንክረጋገፅ ኮሰመኢ ዘሳልጦም ስራሕቲ ክትትልን ጎስጓስን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ በቶም ርካቦታት ክትትል መበገሲ ብምግባር ንዝቐረቡ ምኽሪ ሓሳባት ንኽትግበሩ፣ ኣብቲ ዘፈር እናጋጠመ ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ሓገዛዊ መሳርሒታትን ሓይሊ ሰብን ንክፍታሕ፣ ብርኪ ግልጋሎት ኣወሃህባ ትካላት ንኽመሓየሽን ትካላት ተበፃሒ ንክኾኑን ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ግቡኦም ንኽዋፅኡን ብሓባር ንኽሰርሑን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡