ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ፅንሰ ሓሳባት ስግግር ፍትሒ ዘድሃበ ግንዛበ መዕበዪ ዓውደ መፅናዕቲ ብዕለት 11ን 12ን ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ሃገራዊ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ፣ ፍኖተ ካርታ ስግግር ፍትሒ፣ ከይዲ እቲ ስግግር ፍትሒ ንምትግባር ዝተዳለው ረቂቕ ሕጊታት፣ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዝህልዎም ግደ ከምኡ’ውን ኣብዚ መዳይ ኮሰመኢ እናሳለጦም ዘለው ስራሕቲ መብርሂ ተዋሂቡ ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡


ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ዋና ዓንዲታት ስግግር ፍትሒ ዝኾኑ ተሓታትነት፣ ምትእልላሽ ሓቂ፣ ንጉዱኣት ካሕሳን ትካላዊ ምምሕያሽን ንፍትሒ፣ ንዕርቂን ሰላምን ዘለዎም ኣበርክቶ ምይይጥ ተገይሩ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ከይዲ እቲ ስግግር ፍትሒ ውፅኢታዊን ተኣማኒን ንክኸውን ግልፂ ስርዓት ኣተገባብራ፣ ትካላዊ ምትእስሳርን ጥንኩርን ዘይሻራዊን ትካላት ምህላዎም ንዕውት ስግግር ፍትሒ ኣገደስቲ ምዃኖም እቶም ረቂቕ ሕጊታት ምስ ዓለምለኸ ሕጊታትን መትከላትን ሰብኣዊ መሰላት ተሰማሚዖም ክዳለው ከምዝግባእን ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ከይዲ ዘሳልጥዎም ናይ ክትትል ግደ ክጠናኸር ከምዝግባእ ተገሊፁ እዩ፡፡


ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ግንዛበ ንክህልዎም ከምዘኽኣሎም ብምግላፅ ነቲ ከይዲ ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ንምሕጋዝ ዘኽእል ጥንኩር ትካላዊ ዓቕሚ ንምፍጣር ተመሳሳሊን ተኸታታሊን ናይ ግንዛበ መዕበዪ ስልጠናታት ኣገደስቲ ምዃኖም ሓቢሮም እዮም፡፡
ኮሰመኢ ናይ ሰራሕተኛታቱ ዓቕሚ ንምዕባይ ተመሳሳሊ ናይ ግንዛበ መዕበዪ ስልጠናታት ብቐፃልነት ከምዘዳልውን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ዕውት፣ ተኣማኒን ንሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ዝገበረን ንክኸውን ብትኹረት ከምዝሰርሕን ኣፍሊጡ እዩ፡፡