ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ካፋን ቤንች ሸኮን ዘሎ ኣተገባብራ መሰል ጥዕና ብዝምልከት ብዕለት 14 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቦንጋ መድረኽ ምይይጥ ኣሳሊጡ እዩ፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ካብ መምርሒታት ጥዕና ዞባታት ካፋን ቤንች ሸኮን፤ ካብ ወረዳታት ጊምቦ፣ ሺሾንዴ፣ ቢጣ፣ ዴቻ፣ ጨናን ሰሜን ቤንችን፤ ካብ ቤት ፅሕፈታት ጥዕና ምምሕዳር ከተማታት ቦንጋን ሚዛን ኣማንን ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ ተሳቲፎም እዮም፡፡


ኣብቲ መድረኽ ኮሰመኢ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባታት ካፋን ቤንች ሸኮን ዝርከባ ምምሕዳር ከተማታትን ወረዳታትን ኣብ ኣተገባብራ መሰል ጥዕና ብፍላይ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጠረ ለበዳ ሕማም ዓሶ ምላሽ ኣወሃህባ ብዝምልከት ብዘካየዶ ስልታዊ ምርመራ ዝተነፀሩ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ቀሪቦም ሰፊሕ ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም ኣብቶም ከባቢታት ለበዳ ሕማም ዓሶ ዘለዎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ እንትኸውን ዝዓቖሩ ማያት ብምፍሳስ፣ ኬሚካል ብምንፃግ፣ ዝርግሐ ኽትባትን ኣቕረቦት መርበብ መከላኸሊ ዓሶ ብምስላጥ ከምኡ’ውን ሰፋሕቲ ናይ ግንዛበ መዕበዪ ስራሕቲ ስለዝተተግበሩ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብሕማም ዓሶ ናይ ምትሓዝ መጠን ክንኪ ከምዝኽኣለ ገሊፆም እዮም፡፡ ብኻልእ መዳይ ድማ እቲ ሕማም ንምሕካምን ንምቁፅፃርን ሕፅረት ኣድለይቲ ዝኾኑ መድሓኒታትን ናይ ሕክምና ናውቲን ዕንቅፋት ኮይኖም ምቕፃሎም ሓቢሮም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ሓላፊ ስራሕ ክፍሊ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ሃዊ ኣስፋው ከምዝገለፀኦ መንግስቲ ለበዳታት ብዝምልከት ኣብ ምክልኻል፣ ምሕካምን ምቁፅፃርን ከምኡ’ውን ንዜጋታት ሕክምናዊ ግልጋሎት ኣብ ምቕራብ መዳይ ሓላፊነት ከምዘለዎ ኣፅንዖት ሂበን ገሊፀን እየን፡፡ ብምውሳኽ ድማ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ንለበዳ ሕማም ዓሶ ተጋለፅቲ ዝኾኑ ከባቢታት እቲ ሕማም ብዘላቒነት ንምቁፅፃር ኣብ ኩሉ ብርኪ ዘለው ኣካላት መንግስቲ ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ዝጀመርዎ ፃዕሪ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪበን እየን፡፡