ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን (the United Nations Office of the High Commissioner for Human Rights (OHCHR) ሚኒስቴር ፍትሒን ብምትሕብባር፣ ካብ ዕለት 9 ክሳብ 12 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዓውደ-መፅናዕቲ ኣካይዱ እዩ፡፡ ናይቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ዓላማ፦ ዓቅሚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ (CSOs) ብምዕባይን ሃገራዊ ስርዓታት መስርሕ ብምጥንኻርን ዓለምለኸ ስምምዕ ኹሎም ዓይነታት ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ ኣድልዎታት ንምጥፋእ (International Convention on the Elimination of All Forms of Racial Discrimination (ICERD) ዝምልከት ስራሕቲ ኣፈፃፅማ ክትትልን ሪፖርትን ንምጥንኻር እዩ፡፡

ናይቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ሓፈሻዊ ዕላማ ብመሰረት ስምምዕ ኣፈፀምቲ ኣካላት (Treaty Body) ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባት ዝግበር ምክትታል ምጥንኻርን ናይ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንቑሕ ተሳትፎ ብምሕያልን፣ ዝድንጎዩ ሪፖርትታት ንኽሳለጡ ምሕጋዝ እዩ፡፡ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን (CSOs) ኣባላት ሓበራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ሃገራዊ ስርዓት ሪፖርትን ክትትልን (NMRF) ማለት እውን ተወከልቲ ኮሚሽን ፖሊስ ፊዴራል፣ ግልጋሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፣ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስቴር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ሚኒስቴር ትምህርቲ ከምኡ እውን ሚኒስቴር ትልሚን ልምዓትን ዝተሳተፉሉ እዩ፡፡

ንትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝምልከት ኣብ ዝነበረ ምይይጥ ዋና ትኹረቱ ናይ ሃገራት ሪፖርት ናይ ምቅራብ ግቡእ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ሪፖርት ስርዓት እንታይ ከምዝመስልን ኢትዮጵያ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2008 ዘቕረበቶ ሪፖርት ስዒቡ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2009 ኮሚቴ ኩሎም ዓይነታት ዘርኣዊ ኣድልዎታት ንምውጋድ ዝተኣሰረ ዓለምለኻዊ ኪዳን (Committee on the Elimination of Racial Discrimination (CERD)) መሰረት ዝገበሩ ዝፀደቑ ናይ መዛዘሚ ሪኢቶታት (Concluding Observation) ትኹረቱ ዝገበረ መብርሂን ብተግባር ዝተሓገዘ ዘተን ዘካተተ እዩ፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ድማ ኣብ ኣቀራርባ ሪፖርትን ኣብ ከይዲ ክትትልን እጃም ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ፤ ከምኡ እውን ብሚኒስቴር ፍትሒ ኣዳላዋይነት ኣብ ከይዲ ምድላው ዘሎ ኩሎም ዓይነታት ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ ኣድልዎታት ንምጥፋእ ዝተገበረ ዓለምለኸ ስምምዕ (ICERD) ዝምልከት ረቂቕ ሰነድ ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዝበፅሐ መብርሂ ተዋሂብዎም እዩ፡፡ ኩለን ሲቪል ማሕበራት ኣብ ከይዲ ምድላው ሪፖርት ዘለወን ዕዙዝ እጃም ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ዝተሰመረሉ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ኣማራፂ ሪፖርትታት ብምቅራብ፣ መንግስቲ ኣብ ዘዳልዎም መድረኻት ምኽክር ብንቕሓት ብምስታፍ፣ ከምኡ ውን ንኮሚቴ ምክልኻል ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ ኣድልዎታት (CERD) ዘይስሩዕ መብርሂታትን (informal briefing ) እዋናዊ ሓበሬታ ምቕራብን ትኹረት ዝገበረ እዩ፡፡

ጎናጎኒ እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ኣብ ዝተገበረ ጉጅለኣዊ ምይይጥ ተሳተፍቲ ኣብ ኩሎም ዓይነታት ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ ኣድልዎታት ናይ ምጥፋእ ዓለምለኸ ስምምዕ (ICERD) ውሽጢ ዘለው ዝተወሰኑ ሕጋገታትን ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2009 ብኮሚቴ ምጥፋእ ዘርኢ መሰረት ዘገበረ ኣድልዎ (CERD) ኣብ መዛዘሚ ሪኢቶ (Concluding Observation) ትኹረት ገይሮም ብምዝታይ ናይቲ ስምምዕ ኣፈፃፅማ ዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ተስፋ ዝህቡ ምዕባለታትን ትኹረት ክወሃቦም ዝግባእ ዝበልዎም ጉድለታትን ኣቕሪቦም እዮም፡፡
እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ከይዲ ሪፖርት ክህልዎም ዝኽእል ዝተፈላለየ ብርኪ ተሳትፎ ማለት እውን ሀገራት ቅድሚ ሪፖርት ምቕራበን ኣብ ከይዲ ናይ ኮሚቴ ምጥፋእ ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ ኣድልዎታት (CERD) ግምገማን መዛዘሚ ሪኢቶታት (Concluding Observation) ድሕሪ ምፅዳቖምን ግንዛበ ንክህልዎም ዕድል ዝፈጠረ መድረኽ እዩ፡፡

እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ሓበራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ሃገራዊ ስርዓት ሪፖርትን ክትትልን (NMRF)፤ ኢትዮጵያ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2008 ንኹሎም ዓይነታት ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ ኣድልዎታት ንምጥፋእ ዓለምለኸ ስምምዕ (ICERD) ሪፖርት ድሕሪ ምቕራባ ዝነበሩ ናይ 17 ዓመታት ጉዕዞ ዝምልከት ሕዳር 2018 ዓ.ም. ብዝተኻየደ ዓውደ-መፅናዕቲ ዝተነፀሩ ኣብ ከይዲ ሓበሬታ ምትእኽኻብ ዘጋጠሙ ፀገማትን ዝተርኣዩ ምዕባለታትን ተመያይጦም እዮም፡፡ ብመሰረት ፍኖተ-ካርታ (roadmap) እቲ ኮሚቴ ሙሉእ ሪፖርት ንምድላው ዘድልዩ ብርኪታትን ናይ ጊዜ ሰሌዳን ዝተወሰነ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ዓውደ-መፅናዕቲ ድማ እቲ ኮሚቴ ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተውሃቡ ሪኢቶታት ብምትእኽኻብን ንተወሳኺ ምይይጥ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ንዝካየዱ ምኽክራት ዝውዕል “ናይ መጀመሪያ ረቂቕ” (Zero draft) ኣዳልዩ እዩ፡፡