ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብመሰረት ሕገ መንግስቲን ብመጣየሺ ኣዋጅን ዝተውሃቦ ሕጋዊ ስልጣን፤ ኩነታት አተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምክትታትል፣ ምምርማር፣ ምኽሪ ሓሳባት ምሃብን ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ ግንዛበ ናይ ምሃብን ፃዕሪ ናይ ምግባር ተልእኾ ዘለዎ ናፃን ዘይሻራዊን ብሄራዊ ትካል እዩ፡፡
ኮሰመኢ ኣብ ዘውፅኦም እዋናዊ ፀብፃባትን ምኽሪ ሓሳባትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንኽዓስል፣ ዘይምርድዳኣትን ኣፈላላያትን ብሕጋዊ፣ ብሰላማዊ መንገዲን ብድርድርን ንክፍትሑ ብተደጋጋሚ ምኽሪ ሓሳባት እናቕረበ፣ ብተግባር ንኽፍፀም እውን ዘይትሓለለ ፃዕሪ እናገበረ ዝፀንሐ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩን ክስፋሕፋሑን ምግባር ዝክኣል ናፅነት እቲ ኮሚሽን ብዝሓለወ ኣገባብ ምስ መንግስቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተቐራሪብኻ ብምስራሕ (constructive engagement) ምዃኑ ብምእማን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ በዚ መዳይ ብዙሓትዓወታት እውን ተመዝጊቦም እዮም፡፡
ብምኽንያት እዙይ ድማ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስን ብግብረ-ራዕዲን ብኻልኦት ከበድቲ ገበናትን ተኸሲሶም ቤት ፍርዲ ውሳነ ዝሃበሎም፣ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለዩ ገበናት ተኸሲሶም ኣብ ከይዲ ፍርዲ ዝርከቡ፣ ጉዳዮም ብፍሉይ ኩነታት ንክርአየሎም ብኮሰመኢ ኣቢሎም ንመንግስቲ ንክቐርበሎም ዘቕረብዎ ሕቶ መበገሲ ብምግባር ከምኡ’ውን ብዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እናተኻየዱ ዝፀንሑ ፃዕሪታት ብምትእስሳር ኮሰመኢ ጉዳዩ ናብ መንግስቲ ኣቕሪቡ እዩ፡፡
እዞም ኣብ ከይዲ ክሲ ዝርከቡ ወገናት ብናይ ባዕሎም ድሌት ዘቕረብዎ ሕቶ መበገሲ ብምግባር እቲ ኮሚሽን ዘቕረቦ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስቴር ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ክቡር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ መንግስቶም ልዕልነት ሕጊ ብዘኽበረ ኣገባብ ንሰላም፣ ንሃገራዊ ምርድዳእን ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ዝሕግዙ ስጉምቲታት ንምውሳድ ቑርፀኛ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ዝቐረበ ጉዳይ ብኣዎንታ ብምቕባልን ኮሰመኢ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ብምድጋፍ፤ መንግስቲ ነዚ ሃገራዊ ከይዲ ህንፀት ሰላም ብሕጋዊ ኣገባብ ብተግባር ንኸፈፅም ንዝምልከቶም መዋቕራት መንግስቲ ቁርፀኛ ኣንፈት ኣቐሚጦም እዮም፡፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ብብርኪ ክልል ኣብ ዝርአዩ ጉዳያት ርእሰ ምምሕዳር ክልላት ተመሳሳሊ ውሳነን ቖራፅነትን ወሲዶም እዮም፡፡
በዙይ መሰረት ዝተቐመጠ ከይዲ ኣሰራርሓ ሕጊን ይቕሬታን ተኸቲሉ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተፈረዶም ብይቕሬታ፤ ኣብ ከይዲ ክሲ ዘለው ተኸሰስቲ ድማ ብቅድመ ኩነት ክሶም ተቛሪፁ ካብ ማእሰርቲ ንክልቀቑ ምስ ከይዲ እቲ ክሲ ዝተተሓሓዙ ዝተገደቡ መሰላቶም ብሕጋዊ ኣገባብ ንክኽበሩሎምን ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ንክምለሱን ዝተወሰነ ውሳነ ኮሰመኢ ናእዳ ዝህቦን ንቐፃሊ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝግብኦን እዩ፡፡
ኮሰመኢ መንግስቲ ሃገራዊ ሰላም፣ ሃገራዊ ምርድዳእን ስርዓት ዲሞክራሲን ንምጥንኻር ዝሰርሖም ብዙሓት ስራሕቲ፦ ማለት እውን ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር፣ መደባት ዕጥቂ ክፈትሑ ዘለዎም ዕጥቂ ንክፈትሑ ብምግባር መሊስካ ምጥያሽ (DDR)፣ ብክልላት ዝተገበሩ ናይ ሰላም ፃውዒታትን ህዝባዊ ዘተ ዘላቕን ብፅቡቕ ይርእዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ብኮሰመኢ ኣቢሉ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣብቲ ከይዲ ኩሎም ኣወንታዊ ኣበርክቶ ዝተፃወቱ ኣካላት ኣፍልጦ እናሃበ፣ መንግስቲ ይቕሬታን ሕጋዊ ኣሰራርሓን መሰረት ብምግባር ዝወሰዶ ስጉምቲ ንዘላቒ ሰላም፣ ንሃገራዊ ምርድዳእን ንዲሞክራሲን ዓቢዪ ኣበርክቶ ዝህልዎ ምዃኑ እምነቱ ይገልፅ፡፡
ኮሰመኢ ኣብ ቀፃሊ እውን እዞም መንግስቲ ብፍላይ ድማ ንህንፀት ሰላም ከም ከይዲ መፍትሒ ዝወሰዶም ኣወንታዊ ስጉምቲታትን ፃዕሪታትን ብቐረባ ዝከታተልን እቲ ከይዲ ሙሉእ ብሙሉእ ሰብኣዊ መሰላት ብዘኽበረን ሓቛፋይ ብዝኾነን መንገዲ ተተግቢሮም ዘላቒ ሰላም፣ ፍትሒን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ጠንካራ መሰረት ንክኾኑ ፀብፃብ ክትትል ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ዘከናውን እንትኸውን፣ ዘላቒ ሰላም ሰብኣዊ መሰላት ብኩለመዳያዊ ኣገባብ ንክኽበሩ መሰረታዊ ምዃኑ ዝኣምን ብምዃኑ ፃዕሪታቱ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ የተሓሳስብ፡፡ ክሳብ ሐዚ ንዝተገበሩ ፃዕሪታት እውን ኣፍልጦ ይህብ፡፡
ኮሰመኢ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ብዝገበሮ ፃዕሪ መንግስቲ ነቲ ሕቶ ተቐቢሉ ዜጋታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክላቐቑ ምውሳኑ ልዑል ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ንኻልእ ዓለም እውን ኣርኣያ ዝኸውን ስጉምቲ ምዃኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ደጊሙ የረጋግፅ፡፡
ብመሰረት ውሳነ መንግስቲ ኣብዛ ዕለት ልዕሊ 600 ሰባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም እዮም፡፡ ኮሰመኢ ኣብቲ ከይዲ ዝነበሮ ልዑል ፃዕሪ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ዝቕፅል ምዃኑ ክገልፅ ይፎቱ፡፡ ብተወሳኺ እውን ኮሰመኢ መንግስቲ ብዝወሰዶ ዝንኣድ ቅዋም ከምኡ’ውን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝነበሩ ወገናትና ንዕውትነት እቲ ከይዲ ዘርኣይዎ ድልውነትን ንዕውትነት እቲ ከይዲ ንዝተረባረቡ ወገናት ብሙልኦም ምስጋና የቕርብ፡፡
ሎሚ ዕለት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወፅኡ ዜጋታት ናብ ከባቢኦም ብምምላስ ኣብ ሃገራዊ ህንፀት ሰላምን ስራሕቲ ልምዓትን ሕጋዊን ሰላማዊን ብዝኾነ መንገዲን ንኽሳተፉን ካብ ፀረ ሰላም ተግባራት ንባዕሎም ንከርሕቑ ኮሰመኢ የተሓሳስብ፡፡ ኣብ ኩሎም ከባቢታት በቢብርኩ ዝርከቡ ኣካላት መንግስታዊ ምምሕዳር፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ካልኦት ዝምልከቶም ዘይመንግስታዊን ትካላት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወፁ ዜጋታትና ብምጥያሽ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ንምምላስ ዝግበሩ ፃዕሪታት ንኽሕግዙ ኮሰመኢ ፃውዒት የቕርብ፡፡
በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለው ፀገማት ብዕጥቃዊ ቃልሲን ብሓይሊን ክፍትሑ እዮም ኢሎም ዝኣምኑ ሓይሊታት ናብ ሰላምን ድርድርን ንኽመፅኡ ኮሰመኢ ሐዚ እውን ደጊሙ ምኽሪ ሓሳብ የቕርብ፡፡
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ወገናትና ንክልቀቑ ብመንግስትን ብኮሰመኢን ዝተገበረ ፃዕሪን ውፅኢትን ንዘይኮነ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ፣ ንህውከት ሰላምን ፀጥታን ንምውዓል ዝደልዩ ሓይሊታት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኮሰመኢ የተሓሳስብ፡፡