ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ንመበል 6ይ ጊዜ ዘካይዶ ዓመታዊ ሃገራዊ ናይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ውድድር ምስሊ ችሎት/መጋባእያ ሰብኣዊ መሰላት ቀዳማይ ምዕራፍ ብብርኪ ክልል ብዝተኻየደ ውድድር ተዛዚሙ እዩ፡፡ እቲ ውድድር ኣብ 12 ክልላትን ክልተ ከተማ ምምሕዳራትን ካብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ጀምሩ እናተኻየደ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ ካብ 91 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተውፃፅኡ 182 ተምሃሮ ተሳተፍቲ ኾይኖም እዮም፡፡ ካብቶም ተወዳደርቲ ተምሃሮ ፍርቂ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ እየን፡፡





እቲ ውድድር ሓሳባዊ ዝኾነ ጉዳይ ሰባኣዊ መሰላት (hypothetical case) ተምሃሮ ናይ ኣመልካቲን ተፀዋዒን ወገን ብምውካል ናይ ፅሑፍን ናይ ቃልን ክትዕ ዝገብሩሉ ኾይኑ፤ ናይ ኣብያተ ፍርዲ ስሩዕ ናይ ክትዕ ስርዓት ዝኽተል እንትኸውን ኣብ ተወዳደርቲ ተምሃሮን ኣብ ማሕበረሰብ ኣብያተ ትምህርቲን ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ፍልጠትን ክእለትን ንምዕባይ ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡ ናይዚ ዓመት ውድድር “ናይ ምምሃር መሰል ኣብ ዓውዲ ኩናት” (The Right to Education in the Context of Armed Conflict) ዝብል ርዕሲ ዝተውሃቦ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዘትኮረ እዩ፡፡




ተወዳደርቲ ተምሃሮ ናይቲ ውድድር ቀዳማይ ክፋል ብመዳይ ኣመልካቲን ተፀዋዒን ብምውካል ዘዳለውዎ መካትዒ ፅሑፍ ብምዝዛም ንክልላዊ ናይ ቃል ክትዕ ዝበፅሑ እንትኸውን፤ እቲ ናይ ቃል ክትዕ ድማ 19 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኩለን ክልላት እታ ሃገር ኣብ ዝተመረፃ ከተማታትን ከተማ ምምሕዳራትን፣ ክኢላታት ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን ብዳይነት ብምስታፍ ተኻይዱ እዩ፡፡



ብብርኪ ክልል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ምስሊ ችሎት/መጋባእያ ሰብኣዊ መሰላት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፤
- ካብ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ እቴጌ መነን፣
- ካብ ክልል ዓፋር 2ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ የነገው ተስፋን ወረርን፣
- ካብ ክልል ኣምሓራ ኣካዳሚ ሃይሌ ማናስ፣
- ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፓሮ፣
- ካብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ሊች ጎጎ ልህቀት፣
- ካብ ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሳቢያን፣
- ካብ ክልል ጋምቤላ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፒን ይዶ፣
- ካብ ክልል ሃረር 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጀግኖች፣
- ካብ ክልል ኦሮሚያ ኣካዳሚ ሒል ቶፕስ፣
- ካብ ክልል ሲዳማ ማእኸል ትምህርቲ ቢኤንቢ፣
- ካብ ክልል ሶማሊ 2ይ ብርኪን መሰናድኦን ቤት ትምህርቲ ሼህ ዓብዱሰላም፣
- ካብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ፣
- ካብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ቤት ትምህርቲ ኣቡነ ተክለሃይማኖት፣
- ካብ ክልል ትግራይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣልሙናይ ኣክሱም ተዓወትቲ ኮይነን እየን፡፡
እቲ ውድድር ብላዕለዋይነት ካብ ዝዛዘማ 15 ኣብያተ ትምህርቲ ማእኸል ብናይ ፅሑፍ ክትዕ ዝለዓለ ነጥቢ ዘመዝገባ 8 ጉጅለታት ካብ ዕለት 11 ክሳብ 16 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝካየድ ውድድር ተሳተፍቲ ክኾና እየን፡፡




እቲ ውድድር ብብርኪ ክልል ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ንክሳለጥ ኣሰልጠንቲ መምህራን፣ ወለዲ ተምሃሮ፣ ቢሮ ትምህርቲ ኩለን ክልላትን ከተማ ምምሕዳራትን መዳርግቲ ኣካላትን ዕዙዝ ተራ ተፃዊቶም እዮም፡፡