ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ‘ፕሮጀክት ኤክስፔዳይት ጀስቲስ’ (Project Expedite Justice (PEJ)) ብምትሕብባር ኣብ ትሕቲ ኮሰመኢን ሲቪል ማሕበራትን ኣብ ትሕቲ ናይ ክልል መተሓባበሪ መድረኽ ንዝርከቡ ኣባላት ኣብ ክትትልን ጎስጓስን ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ ናይ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ካብ ዕለት 14 ክሳብ 17 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣካይዱ እዩ። ናይቲ ስልጠና ዋና ዓላማ ድማ ኣብ ብርኪ ክልል ንዝርከባ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብኩናትኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝሐሸ መልክዑ ንምክትታልን መልሲ ንምሃብን ዘኽእል ዓቕሚ ንምፍጣር እዩ።

ኣብቲ ስልጠና ካብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ዝተውፃፅኣ 28 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ተሳቲፈን እየን።

ኣብቲ ስልጠና ብዛዕባ ዋና ዋና መትከላትን ስነ-ምግባርን ክትትል ሰብኣዊ መሰላት፣ ሜላታት ክትትል፣ ምእካብ ሓበሬታን መረዳእታን፣ ምርግጋፅን ኣተሓሕዛ ሰነድን፣ ዓለምለኸን ሃገራዊን ማዕቐፋት ሕጊ፣ ኣጠቓቕማ ግልፂ ምንጪ ሓበሬታታት (Open Source Information) ንትኽክለኛ ስራሕ፣ ምርግጋፅን ትኽክለኛነት ሓበሬታ ከምኡ እውን ብመንፅር ሕጊ ምትንታንን ሪፖርት ምግባርን ዝምልከቱ ዝርዝር ጉዳያት ቀሪቦም እዮም። እዚኦም ናይ ክትትል ርካቦታት ተኣማኒነቶም ንምርግጋግፅን በቶም ርካቦታት ብምምርኳዝ ውፅኢታዊ ሜላታት ጎስጓስ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕንፃፅን ዘኽእሉ ምዃኖም ተሓቢሩ እዩ።

እቲ ስልጠና ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ቅድመ-መጠንቀቕታ ስርዓት ንምዝርጋሕ፣ ክእለት ኣወሃህባ ህፁፅ መልሲ ብምጥንኻርን ንጉዱኣት ግቡእ ሓለዋ ብምግባር ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ዝተሰማረያሉ ክልላት ዝርኣዩ ስግኣታት ሰብኣዊ መሰላት ቐዲምካ ብምፍላጥን ህፁፅ መልሲ ኣብ ዝጠልቡ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕን ዘለወን እጃም ከምዘጠናኽር ተገሊፁ እዩ።

ኣብ ኮሰመኢ ላዕለዋይ ዳይረክተር ስራሕ ክፍሊ ፕሮግራምን ትሕብብርን ኣይተ ማንያውቃል መኮንን፣ ኣብቲ ስልጠና ንዝተሳተፋ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝረኸብኦ ፍልጠትን ክእለትን ናብ ተግባር ብምሽራፍ ኣብ ሓለዋን ጎስጓስን ሰብኣዊ መሰላት ብንቕሓት ንኽሳተፋ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።