ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ)፥ ዕለት 1 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ወረዳታት ጋጮ ባባ፣ ቦንኬ፣ ካምባ ዙሪያን ምዕራብ ኣባያን ኣብ ዝርከባ 6 ዝተፈላለያ ጣቢያታት ዝተኸሰተ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት፣ ምህማም መሬትን ዉሑጅን ስዒቡ ዝበፅሑ ጉድኣታት እናተኸታተለ ይርከብ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት፣ ኣካላዊ ድሕንነትን ጥሪትን ኸቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ዘረጋገፀ እንትኸውን፤ እዚ መግለፂ ዕላዊ ክሳብ ዝተገበረሉ ጊዜ ብዘሎ ብድምሩ ናይ 65 ሰባት ህይወት ምሕላፉን ኣስከሬኖም ከምዝተረኸበ ዝተረጋገፀ እንትኸውን ኻልኦት 60 ሰባት ድማ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝኣተውዎ ከምዘይተፈለጠን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዝግመትን ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ድማ 3,461 ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ንኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተጋለፁ፣ ከምኡ እውን ሙሉእ ብሙሉእ ዝወደሙ መንበሪ ኣባይቲን ሕርሻታትን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ጥሪት ኸቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኮሰመኢ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡
ግብረ ሓይሊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ክልል ደቡብን ዞባ ጋሞን መፍትሒ ኣንፈታት ብምንፃር፣ ተመዛበልቲ መሊስኻ ንምጥያሽ ዘድልዩ ሓገዛት ብህፁፅ ንምምላእ ኮሚቴታት ብምጥያሽ ናብ ስራሕ ምእታዎም እውን ምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ ኮሰመኢ ነዚ ሓዊሱ ብምምሕዳር እቲ ክልልን ዞባን እናተወሰዱ ዝርከቡ ኣድለይቲ ስጉምቲታት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ እናተሓሳሰበ፤ ተመዛበልቲ ህፁፅ ናይ ምግቢ፣ ማይ፣ ሕክምናን ጊዚያዊ መፅለሊን ኣድላይ ዘበለ ኣቕርቦታትን ብዘይምንም ምድንጓይ ክረኽቡ ንምግባርን በቲ ሓደጋ ዝተፀልዉ መሊስኻ ኣብ ምጥያሽን፤ ትካላት መንግስቲ ፊደራልን እቲ ክልልን ከምኡ እውን ሃገራውን ዓለምለኸን ትካላት ህፁፅን ዝተወደበን ፃዕሪ ንኽገብሩ ፃውዒት የቕርብ፡፡
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰምዖም ልዑል ሓዘን ብምግላፅ ነቲ ሓደጋ ዝወሃቦ መልሲ ንሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረ፣ ዝተወደበን ብህፁፅ ዝስራሕን ከምኡ እውን ከም ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ኣረጋውያንን ጉዱኣት ኣካልን ዝበሉ ተጋለፅቲ ክፋልሕብረተሰብ ድሌታት ማእኸል ዝገበረ ምዃኑ ምርግጋፅ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ብተወሳኺ ድማ ኣብ ቐፃሊ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ተፈጥሮ ከስዕብዎ ዝኽእሉ ሓደጋ ንምቕናስን ቕድሚ ሓደጋታት ምፍጣሮም ንምክልኻልን ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ከምዝግባእ ብምሕባር ኮሰመኢ ዝገብሮ ክትትል ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ርካቦታት መሰረት ብምግባር ዝርዝር መፍትሒ ሓሳባት ንዝምልከቶም ኣካላት ከምዘቕርብን ኣረጋጊፆም እዮም፡፡