ኣብ ኢትዮጵያ ንዝከናወን ተግባራዊነት ስግግር ፍትሒ ዕውት ንክኸውን መራሕቲ ማሕበረሰብ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓዲን ዝፃወትዎ እጃም ልዑል እዩ፡፡ እዞም ኣብ ሕብረተሰብ ብዘለዎም ልዑል ተቐባልነትን ልዑል ስነ-ምግባርን ምኽንያት ብኩናት ዝተጎድኡ ወገናት ንምቅርራብ፣ ሓቂ ብምውፅፃእ፣ ይቕሬታን ዕርቅን ክወርድ ኣብ ምግባር መዳይ ልዑል እጃም ክዋፅኡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብተወሳኺ እውን ግፍዒን በደልን ዝበፅሖም ወገናት በደሎም ብናፅነት ንኽዛረቡ ድሕንነቶም ዝሓለወ መድረኽ ካብ ምፍጣር ብዝሓለፈ ከይዲ እቲ ስግግር ፍትሒ ብግልፅነትን ብፍትሓዊነትን ንክምራሕ ብምግባር ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘላቒ ሰላምን ሓቃዊ ሃገራዊ ምርድዳእን ንክፍጠር እምነ ኩርናዕ ንከንብሩ ይሕግዝ እዩ፡፡

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ድማ እዙይ ኣብ ግምት ብምእታው ኢትዮጵያ ኣብ ትትግብሮ ከይዲ ስግግር ፍትሒ መራሕቲ ሕብረተሰብ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓዲን ዘለዎም ርኡይ እጃም ንምጥንኻር ዓላማ ዝገበሩ ስልጠናታት ዓቕሚ ምዕባይ ኣብ ምሃብ ይርከብ፡፡ በዙይ መሰረት ኣብ ከተማታት በደሌን ይርጋለምን እቲ ስልጠና ብተኸታታሊ ኣካይዱ ዛዚሙ እዩ፡፡

ብዳይሬክቶሬት ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮሰመኢ ዝተዳለው እዞም ስልጠናታት ካብ ዕለት 04 ክሳብ 09 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ በደሌ ካብ ቡኖ በደሌ፣ ኢሉ ኣባቦር፣ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ወለጋ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ይርጋለም ካብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ፣ ማእኸላይን ሰሜናዊን ክልል ሲዳማ ንዝተውፃፅኡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሽማግለታት ዓዲን መራሕቲ ማሕበረሰብን ስልጠና ተዋሂቦም እዮም፡፡

እቶም ስልጠናታት ንተሳተፍቲ ብዛዕባ እንታይነት ሰብኣዊ መሰላትን ስግግር ፍትሒን፣ ኣድላይነትን ዓላማን ዘለዎም ፍልጠት ንምዕባይ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት እናተሳለጡ ኣብ ዘለው ምንቅስቓሳት ስግግር ፍትሒ ዙርያ ግንዛበ ንምፍጣር፣ ከምኡ’ውን መራሕቲ ማሕበረሰብ ኣብቲ ከይዲ ዘለዎም እጃም ንክርድኡን ንጡፍ ተሳትፎ ንኽገብሩ ንምኽኣል ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡

ብሓፈሻ ካብ ሸሞንተ ዞባታት ንዝተውፃፅኡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሽማግለታት ዓዲን መራሕቲ ማሕብረሰብን ዝተውሃቡ ስልጠናታት ኣብ መንጎ ሰብኣዊ መሰላትን ስግግር ፍትሒን ብዛዕባ ዘሎ ስጡም ርክብ፣ ብዛዕባ ምኽባር መሰላት ተጎዳእቲ ጥሕሰት ዝኾኑ ኣካላትን ብብርኪ ማሕብረሰብ ዕርቂ ናይ ምምችቻውን ሰፊሕ ምይይጥ ንምግባር ኣኽኢሉ እዩ፡፡

ኮሰመኢ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓዲን ብባህላዊን ሃይማኖታዊን ስርዓታት ዕርቂ ዘለዎም ዓሙቕ ልምዲ፣ ከይዲ እቲ ስግግር ፍትሒ ኣብ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ተሞርኪዙ ፍትሓዊን ዘላቕን ውፅኢት ንኸምፅእ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምእማን ተመሳሳሊ ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ድጋፋት ኣብ ኻልኦት ካባቢታት ውሽጢ ዓዲ ንምስፋሕ እውን ትልሚ ተታሒዙ እዩ፡፡