ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ በጀት ዓመት 2018 መበል 4ይ ርብዒ ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ንኣባላት ፖሊስ፣ ንዓቀብቲ ሕጊ፣ ንዳያኑ፣ ንኣባላት ፖሊስ ኣብያተ ህንፀት ከምኡ’ውን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ንሽማግለታት ዓዲን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮሩ ተኸታተልቲ ስልጠናታት ሂቡ እዩ፡፡ እቶም ስልጠናታት ብዋናነት ኣብ ስግግር ፍትሒ፣ ኣብ ኣተሓሕዛ ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ከምኡ’ውን ኣብ መሰል ህፃናት ዘድሃቡ እዮም፡፡

ኣብቲ ርብዒ ዓመት ንኣባላት ፖሊስን ኣባላት ፖሊስ ኣብያተ ህንፀትን ካብ ዝተውሃቡ ስልጠናታት ማእኸል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝተውፃፅኡ ኣባላት ፖሊስን ስራሕ ሓለፍቲን ብዛዕባ መትከላት መሰላትን ኣጠቓቕማ ሓይሊን ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕጊ ንዘለው ሰባት ብዝምልከት ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ሮቤን ሶዶን ስልጠና ተዋሂቡ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ድማ ካብ ከተማታት መቐለን ጅማን ንዝተውፃፅኡ ኣባላት ፖሊስን ስራሕ ሓለፍቲን ኣብያተ ህንፀት ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላትን ክብሪ ዝሓለወ ኣተሓሕዛን ተሃነፅቲ ናይ ክእለትን ዓቕሚ ምዕባይን ስልጠና ተዋሂቡ እዩ፡፡

ኣብ ስርዓት ፍትሒ ኣብ ምኽባር መሰላት ህፃናት ዘተኮረ ካብ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ንዝተውፃፅኡ ዓቀብቲ ሕጊ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ሰፊሕ ስልጠና ተዋሂቡ እዩ፡፡ እቲ ስልጠና መሰላት ብስርዓት ገበንን ፍትሃብሄርን ዝሓልፉ ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ህፃናት ማእኸል ዝገበረ አብ ኣወሃህባን ሓለዋን ፍትሒ ተግባራዊ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ንምፍጣር ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡ ኣብዚ ስልጠና ምስ ከይዲ ፍትሒ ህፃናት ብዝተሓሓዝ ብዙሕ ልምዲን ፍልጠትን ዘለዎም ዳይና ቤት ፍርዲ ፌዴራል ንዕውትነት እቲ ስልጠና ልዑል እጃም ኣበርኪቱ እዩ፡፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ካብ ክልል ህዝብታት ድቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንዝተውፃፅኡ ዳያኑ ኣብ ከተማ ቦንጋ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ፣ ዳያኑ ዓለምለኸን ኣህጉራውን ስምምዓት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ፍርዲን ውሳነን ዘተግብሩሉ ዓቕሚ ንምዕባይ ዘኽእል ስልጠና ረኺቦም እዮም፡፡

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ግደ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓዲን ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ዝዳህሰሰን ስልጠና ኣብ ከተማ ሮቤ ተሳሊጡ እዩ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብሩ ዘኽእሎም ፍልጠትን ክእለትን ክረኽቡ ክኢሎም እዮም፡፡ ብተመሳሳሊ መናእሰይ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባር ንሰላምን ሓድነትን ዘለዎም እጃም ንምዕባይ ትኹረቱ ዝገበረ ስልጠና ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ውዳበታትን መናእሰይ ንዝተውፃፅኡ ኣባላት ኣብ ከተማ ባህር ዳር ስልጠና ተዋሂቡ እዩ፡፡

ኮሰመኢ ኣብ በጀት ዓመት 2018 መበል 4ይ ርብዒ ዓመት ዘካየዶም መድረኻት ስልጠና፤ ኣብ ማሕበረሰብን ኣፈፀምቲ ኣካላትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምጥንኻር ብዝሓለፈ እቶም ሰልጠንቲ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ተግባራዊ ዝገብሩሉ ፍልጠትን ክእለትን ንኽረክቡ ዕድል ዝፈጠሩ እዮም፡፡