ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ብናፅነት ሰራዊት ኦሮሞ (ብልምዲ “ኦነግ ሸኔ” ዝበሃል) ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝፍፅሞ ዘሎ ጥቕዓት ስዒቡ ብዕለት 26 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ናይ ፌዴራልን ናይቲ ክልልን መንግስትታት ተሓታትነት ምርግጋፅ ሓዊሱ እናበፅሐ ንዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምጥን መፍትሒ ንኸተኣላልሹ ዘተሓሳስብ መግለፂ ወፂኡ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ኩነታት እቲ ዞባ ዋላኳ ንዝተወሰነ ጊዜ ምምሕያሻት ዘርኣየ እንተመሰለ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ጀምሩ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ሽርካ፣ ጉና፣ መርቲ፣ ኣሰኮን ኦንቆሌ ዋቤን ወረዳታት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ብዝወሰዶም መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት፣ ኣካልን ንብረትን ጉድኣት ምብፅሑ ከምኡ ድማ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ብዝተፈጠረ ናይ ውሕስነት ስግኣት ናይ ነበርቲ ምፍንቓል ከምዘጋጠመ ኮሰመኢ ብዝበፅሕዎ ሓበሬታታትን ጥርዓናትን መበገሲ ብምግባር ጉድኣት ናይ ዝበፀሖም ቤተሰብ፣ ነበርቲን ናይቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ሰብመዚን ብምዝራብ ብዘተኣኻኸቦም ሓበሬታታት ከረጋግፅ ክኢሉ እዩ፡፡ ናፅነት ሰራዊት ኦሮሞ ( ብልምዲ “ኦነግ ሸኔ” ዝበሃል) ብዕለት 19 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ዞባ ኣብ ወረዳ ሽርካ ቀበሌ ጃዊን ኣብ ወረዳ ሮቤ ቀበሌ ገባን ብዝመፀሞ መጥቃዕቲ እዚ መግለፂ ክሳብ ዝወፅአሉ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ቑፅሮም ብውዕሊ ዘይተነፀረ ሰባት ናይ ህይወት ምጥፋእ፣ ጉድኣት ኣካል፣ ኽትራንን ከምኡ እውን ምፍንቓልን ከምዘጋጠመ ኮሰመኢ ብዝተፈላለዩ ኣግባባት ብዘተኣኻኸቦም ሓበሬታታት ኣረጋጊፁ እዩ፡፡
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ፦ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ኣርሲ ብዕጡቓት ዝፍፀም ዘሎ ጥቕዓት ጥሕሰተ ሰብኣዊ መሰላት እናስዐበ ምዃኑ ብምግላፅ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኽፍጠር ምኽንያት ዝኾኑ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝበፅሑ መቕተልቲ፣ ጉድኣት ኣካል፣ ምፍንቓላት፣ ክትራንን ከምኡ እውን ናይ ንብረት ዕንወትን ዘረፋታትን፤ ናይ ሰባት ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ሓዊሱ ነበርቲ መዓልታዊ ምንቅስቓሶም ብሰላምን ውሑስ ብዝኾነን መንገዲ ንኸይፍፅሙ ከቢድ ከምዝገበሮ ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር መንግስታት ፌዴራልን እቲ ክልልን ብተደጋጋሚ ጥቕዓት ኣብ ዝተፈፀመሎምን ናይ ድሕንነት ስግኣት ኣብ ዘለዎምን ከባቢታት እኹል ሓይሊ ፀጥታ ንኽምድቡ ከምኡ እውን ምስ ካልኦት መዳርግቲ አካላት ብምትሕብባር ብምኽንያት ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ካብ ኣከባቢኦም ንዝተፈናቐሉ ነበርቲ እኹል ዝኾነ ናይ ህፁፅ ጊዜ ሓገዝ ንኸቕርቡ ተፈናቐልቲ ናብ መንበሪ ኣከባቢኦም ተመሊሶም ዘላቒ ብዝኾነ መንገዲ ዝጣየሹሎምን ኩነታት ንኸመቻችውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲታት ንኸይፍፀሙ ኣቐድምካ ምግማትን ምክልኻልን ዝክኣለሉ ስራሕ ንክስራሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡