ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኮሚሽነር ሲቪል፣ ፖልቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ዝኾኑ ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪል ዓሊ ኣባል ኮሚቴ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት (CESCR) ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ብብምራፆም ዝተሰምዖ ልዑል ሓጎስ እናገለፀ፣ ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም መልእኽቱ የመሓላልፍ፡፡ ዶ/ር ኣብዲ ኣብ መንጎ አባል ሃገራት (State Parties) ብዕለት 30 መጋቢተ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኒውዮርክ ብዝተኻየደ ከይዲ ድምፂ ምሃብ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ኮሚቴ ዘሎ ዞባዊ መቐመጢ ንክሕዙ ተመዚዞም እዮም፡፡ እዚ መረፃ፣ ዶ/ር ኣብዲ ብዘፈር ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ምስ ስርዓታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት እትገብሮ ንዘላ ተኸታታልነት ዘለዎ ተሳትፎ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ኮሰመኢ ይርዳእ እዩ፡፡
ኮሚቴ መሰላት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን (CESCR) ብኣባል ሃገራት (States Parties) ኣፈፃፅማ ዓለምለኸ ቃል ኪዳን መሰላት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህለዊን (ICESCR) ናይ ምክትታል ሓላፊነት ዝተወሃቦም 18 ዘይሻራዊ ክኢላታት ዝሓዘ እዩ፡፡ እቲ ቃል ኪዳን ከም እኹል ምግቢ፣ መፅለሊ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ማሕበራዊ ውሕስና፣ ማህን ንፅህናን ከምኡ እውን ስራሕን ዝመሳሰሉ መሰላት ዘረጋግፅ እዩ፡፡
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ንዓወት ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪል ዓሊ ናይ እንኳዕ ደስ በሎም መልእኽቲ ዘሕለፉ እንትኸውን፤ ዶ/ር ኣብዲ ዘለዎም ልዑል ሞያዊ ብቕዓት፣ ዘይሻራዊነትን ብብርኪ ዓለምለኸ ናይ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት ንምኽባር ዘለዎም ቖራፅነትን ልዑል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ብምውሳኽ ድማ፣ እዚ ዓወት ኢትዮጵያን ኮሰመኢን ምስ ስርዓታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኣባል ሃገራት (Treaty Bodies) ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ቐፃልነት ዘለዎም ተሳትፎ ዘጠናኽር ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡ ኮሰመኢ ትሕብብር ብምጥንኻር፣ ሪፖርትታት ብምቕራብን ኣፈፃፅማ ምኽሪ ሓሳባት ብምክትታልን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንኽስፋሕፍሑ፣ ንክኽበሩን ንኽትግበሩን ልዑል ኣበርክቶ ምፅዋቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ዶ/ር ኣብዲ ዝተረከብዎ ሓዱሽ ሓላፊነት ብዝግባእ ብምፍፃም ዕዉት ንክኾኑ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም እዮም፡፡