ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ መላእ ሃገር ኣስታት 30 ሚልዮን ኣባላት ምስ ዘለዎ ማሕበራዊ ቤት ምኽሪ ሕብረት እድራት ኢትዮጵያ (EiCCSI) ኣብ ህዝባዊ ተሳተፎ ስግግር ፍትሒ (TJ) ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሉ ኩነታት ንምዝታይ ምስ ኣመራርሓ እቲ ሕብረት ብዕለት 28 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽክር ኣካይዱ እዩ።
ኣብቲ ምኽክር ካብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ EiCCSI ዘሳተፈ እዩ። ከምኡ ውን ኣብቲ ምኽክር ኮሰመኢ ምስ ሲቪል ማሕበራትን ሕብረተሰብ ማእኸል ዝገበራ ዉዳበታትን ብምትሕብባር ስግግር ፍትሒ ብዝምልከት ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይን ትርጉም ዘለዎ ተሳተፎ ንምጥንኻርን ኣካል ዝገብሮ ዘሎ ተኸታታሊ ፃዕሪታት እዩ።

ኣብቲ ምኽክር EiCCSI ኣድላይነት፣ ዕላማን ምስ ኮሰመኢ ክስርሑ ዝተሓሰቡ ማዕቐፋት ትሕብብርን ዘቕረበ እንትኸውን ስዒቡ ድማ ኣብ ስግግር ፍትሒ እጃም ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን እድራትን ቐሪቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን እቲ ትሕብብር ምስ ስትራቴጂካዊ ስራሕቲ ኮሰመኢ ብኸመይ ከም ዝጠዓዓም ዘተ ተኻይዱ እዩ፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ምኽክር ኣገዳስነት ከይዲ ስግግር ፍትሒ ብምግላፅ እቲ ከይዲ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ንቕሓትን ተሳትፎን ከምዝጠልብ ኣስሚሮምሉ እዮም። እቲ ምኽክር ብዛዕባ ተልእኾን ቀፃሊ ስራሕቲ ኮሰመኢን EiCCSIን ሓባራዊ ምርድዳእ ዝፈጠረ እንተኸውን፤ ክልቲኦም ትካላት ትካላዊ ናፅነቶም ብዝሓለወ መንገዲ ብዛዕባ ስግግር ፍትሒ ህዝባዊ ንቕሓት ንምዕባይ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ማዕቐፍ ትሕብብር ከምዘድሊ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም እዮም።
ኮሰመኢን EiCCSIን ህፁፅ ስራሕቲ ክትትል ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ዝበፅሑ እንትኸውን እዚ ድማ ምድላው ፈላማይ ጊዜ ሰለዳን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ኣተሓባበርቲ ምምዳብን (focal points) ዘጠቓልል እዩ። ክልቲኦም ትካላት ነቲ ማዕቐፍ ትሕብብር ናብ ተግባራዊ ሓበራዊ ስራሕቲ ንምሽራፍ እውን ቃል ኣትዮም እዮም።

ሃገራዊ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብሚያዝያ ብ2016 ዓ.ም. ዝፀደቐ እንትኸውን ኢትዮጵያ ፍትሒ፣ ዕርቅን ዘላቒ ሰላምን ንምርግጋፅ እትገብሮ ኣብ ዘላ ፃዕሪ ዓብዪ ምዕራፍ እዩ። ካብ መትከላት እቲ ፖሊሲ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኣገዳስነት ሓቛፋይነትን እኹል ተሳተፎን ህዝቢ እቲ ዋና እዩ። ብኮሰመኢን ብቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (OHCHR) ብወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም. ዝወፀ ሓበራዊ ፀብፃብ ምርመራ ከምኡ’ውን ብወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ዝተሓተመን ብዛዕባ ስግግር ፍትሒ ምስ ግዳያትን ዝተጎድኡ ክፋላት ማሕበረሰብን ዝተገብረ ናይ ማሕበረሰብ ምኽክር ውፅኢት ዘርኢ ሓባራዊ ፀብፃብ ኮሰመኢ-OHCHR ሓቃዊ፡ ሓቛፋይ፣ ኣሳታፊ፣ ኩነታት ዘገናዘበን ሰብኣዊ መሰላት ዝሓለወን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣበርቲዖም ኣስሚሮምሉ እዮም። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ኮሰመኢ ስግግር ፍትሒ ዝምልከት ህዝባዊ ንቕሓት ንምዕባይ ምስ ዝምልከቶም ትካላት ማለት እውን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ዝተጎድኡ ማሕበረሰባትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብትሕብብር እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ኮሰመኢ ስግግር ፍትሒ ብዝምልከት ህዝባዊ ንቕሓት ንምፍጣር ኣካል ዝተለሞም ስትራተጂታት ዝኾነ ግዳያትን ዝተጎድኡ ማሕበረሰባትን ዝሓቖፈ ህዝባዊ ተሳተፎ ንምርግጋፅ ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ሕብረተሰብ ተኮር ዉዳበታትን ብሓባር ምስርሑ ኣበርቲዑ ክቕፅል እዩ፡፡