ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ በቢዓመቱ ዕለት 8 ሰነ እናተዘከረ ዝውዕል ዓለምለኸ መዓልቲ ግንዛበ መዕበዪ ጥቕዓት ኣረጋውያን ኣመልኪቱ ብዕለት 11 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ምይይጥ ኣሳሊጡ እዩ፡፡ እቲ ምይይጥ ምስ ሃገራዊ ማሕበር ኣረጋውያንን ጡረተኛታትን ኢትዮጵያ፣ ሄልፕ ኤጅ ኢትዮጵያ (HelpAge Ethiopia)ን ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ብምትሕብባር ዝተዳለወ እንትኸውን ሰበስልጣናት መንግስቲ፣ ተወከልቲ ማሕበራት ኣረጋውያንን ተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተሳቲፎም እዮም፡፡


ኣብቲ መድረኽ ኣብ መዳይ ምኽባር መሰላት ኣረጋውያን ኮሰመኢ ዘሳለጦም ክትትል፣ ትምህርቲን ስልጠናን ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ስራሕቲ ዓቕሚ ምዕባይን ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣረጋውያን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንኣብነት ከም ጥዕናን ህዝባዊ መጓዓዝያን ሓዊሱ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንምርካብ ዝበፅሖም ምንግልታዕ ከምኡ’ውን ናይ ጡረታ ኣታዊኦም ኣብዚ እዋን ምስ ዘሎ ናህሪ ዕዳጋን ወድዓዊ ቁጠባዊ ኩነታትን መዳይ ክርአ ከሎ ትሑት ብምዃኑ ኣረጋውያን ፅግዕተኛታት ንክኾኑ ብምግባር ንዝተፍላለዩ ቁጠባዊ መጥቃዕቲታት ብዝበለፀ ተጋለፅቲ ንክኾኑ ዝገብር ኹነታት ምፍጣሩ ኣብቲ መድረኽ ምይይጥ ተገይሩሉ እዩ፡፡



ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝበፅሑ ጥሕሰት መሰላት ንምክልኻልን ንምትራፍን ኣብ ኩሉ ብርኪ ዘለው ማሕበራት ኣረጋውያን ምጥንኻር፣ ኩሎም መንግስታዊ ትካላትን ወሃብቲ ግልጋሎትን ድሌት ኣረጋውያን መሰረት ዝገበሩ ሓቛፋይ ሜላታት ተግባር ምሕንፃፅ፣ ተጋላፃይነት ቁጠባዊን ማሕበራዊን ጉድኣት ኣረጋውያን ንምቕናስ ዝሕግዙ ተወሳኺ ስርዓት ክንክንን ድጋፍን ምዝርጋሕ ከምኡ’ውን መሰላት ኣረጋውያን ኣብ ግምት ዘእተው ማዕቐፋት ሕጊን ፖሊሲን ምውፃእን ንተግባራዊነቶም ምክትታልን፣ መጥቃዕቲ መፍለጢን ምላሽ መውሃቢን መንገዲታት ምስፍሕፋሕን ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ግንዛበ ንምዕባይ ዘኽእሉ ተግባራዊ ስጉምቲታትን ብመንግስቲ ክውሰዱ ዝግብኡ ወሰንቲ ስጉምቲታት ምዃኖም ኣብቲ ምይይጥ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣረጋውያን ንብዙሓት ዓይነታት መጥቃዕቲ ተጋላፅቲ ምዃኖም ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምትራፍ ጎናጎኒ ስራሕቲ ግንዛበ ምዕባይ ተግባራዊ ምላሽ ዝህቡ ማዕቐፋት ሕጊ፣ ፖሊሲን ትካላትን ምዝርጋሕ ከምዘድሊ ገሊፆም እዮም፡፡ ወሲኾም ድማ ኣረጋውያን ኣብታ ዓዲ ዝሳለጥ ልምዓት ምስ ካልኦት ሰባት ብማዕረ ተጠቀምቲ ናይ ምዃን መሰል ዘለዎም ብምዃኑ መንግስቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ድሕንነት ኣረጋውያን ንምውሓስ ዘኽእሉ ስጉምቲታት ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡