ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዞባዊ ቤት ፅሕፈት ምብራቅ ኣፍሪካ (Office of the High Commissioner for Human Rights-East Africa Regional Office (OHCHR-EARO)) ብምትሕብባር፣ ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንዘካይድኦ ክትትል ዓቕሚ ንምዕባይ ዝዓለመ መድረኽ ምኽክር ካብ ዕለት 26 ክሳብ 27 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ምኽክር መድረኽ፥ ካብ ሃገራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲን ተወከልቲን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ከይዲ መረፃን እጃም ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብቲ ከይዲን ዝምልከቱ ዓለምለኸን ሃገራዊን ማዕቐፋት ሕጊ፣ መትከላትን ደንብታት ስነ-ምግባርን፣ ኣብ ከይዲ መረፃ ትኹረት ዝጠልቡ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፣ ስራሕቲ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ፣ ሪፖርትን ጎስጓስን ከምኡ እውን ኣብ እዋን መረፃ ዝርገሐ ፅልኢት ንግግርን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ምክልኻልን ምርግጋፅ ተሓታትነትን ዘተኮሩ መበገሲ ፅሑፋት ቀሪቦም ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩ እዩ፡፡

ኣብቲ ዘተ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ነፃ፣ ፍትሓዊ፣ ግልፂ፣ ተኣማኒ፤ ናይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉዱኣት ኣካል፣ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲን ካልኦት ተጋለፅቲ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳትፎ ዝተረጋገፀሉ፣ ተበፃሒን ሓቛፋይን ንክኸውን ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሕ ከምዘለዎ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ናይ ሎሚ ዘበን ሃገራዊ መረፃ ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት እታ ዓዲ ፀገማት ፀጥታ ኣብ ዝቐፀልሉ ኩነታት ውሽጢ ኮይኑ ዝካየድ መረፃ ብምዃኑ፤ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኸበሩን ከምዝተሓለውን አብ ምክትታልን ምርግጋፅን ዘለዎም እጃም ልዑል ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘይሻራዊነቶም ሓሊዎም ቅድሚ መረፃ፣ ኣብ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብምክትታል፣ ጉድለታት ክርኣዩ ከለው ናይ ምስትኽኻል ስጉምቲታት ንኽውሰዱ ብምሕጋዝን ከይዲ እቲ መረፃ ብህዝቢ፣ ብፖልቲካ ፓርቲታት ከምኡ እውን ብኻልኦት መዳርግቲ ኣካላት ዝህልዎ ተኣማኒነት ኣብ ምርግጋፅን ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎም ሓቢሮም እዮም፡፡

ኣብ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዞባዊ ቤት ፅሕፈት ምብራቅን ደቡብን ኣፍሪካ ሓላፊ ፕሮግራም ኢትዮጵያ ጆሴፍ ዱባኑም፥ መረፃ ማእኸል ዲሞክራሲን ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ፖልቲካን ጉዳያት ህዝብን ዘለዎም ናይ ምስታፍ መሰል ዝትግብሩሉ፣ መንግስታዊ ቅቡልነት ዝረጋገፀሉን ንምፅናዕ ዲሞክራሲ ልዑል ተራ ዝፃወትን ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ መሰላት መረፃ ምስ ካልኦት ሰብኣዊ መሰላት ዘይነፃፀሉ ምዃኖም ብምሕባር ኣብ እዋን መረፃ ምእሳር፣ ምንግልታዕን ካልኦት ጥሕሰታትን ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ብምእታው ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምምዝጋብ፣ ስራሕቲ ቕድመ መጠንቀቕታ ብምስራሕን ንተጋለፅቲ ወገናት ድምፂ ብምዃንን ልዑል እጃም ከምዘለዎም ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር ሲቪል፣ ፖልቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪል ብወገኖም ኣብ እዋን መረፃ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምክልኻል ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ማእኸል ዝህሉ ትሕብብርን ምትእስሳርን ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር ንመረፃ ዝግበር ምድላው ማዕቐፋት ሕጊን ግምገማታት ስግኣትን ካብ ምፅናዕ ብዝሓለፈ መሰላት ንጥቕዓት ተጋለፅቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዝሓለወ መልክዑ ሜላታት ክትትል ምእንፋት ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም፡፡ ብተወሳኺ እውን ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሃገራዊ መረፃ ብዓለምለኸ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ማዕቐፋት ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተቐመጡ መዐቀኒታት ዘማልአ ክኸውን ከምዘለዎ፤ ኣብ ከይዲ መረፃ ዝሳተፉ አካላት ድማ ነዙይ ብብቕዓት ንምውፃእ ዘኽእል ግልፅን ዝተወደበን ትልሚ ድርጊት መርሃ ግብሪ ክሕንፅፁ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡