ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ማእኸላት ግልጋሎት ናፃ ሕጊ ድጋፍ ንስደተኛታት፣ ንሓትቲ ዕቑባን ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲን ዝህብዎ ግልጋሎት ተበፃሕነት ዝምልከት ብዕለት 18 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽክር መድረኽ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ምኽክር መድረኽ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝርከባ ማእኸላት መውሃቢ ግልጋሎት ናፃ ሕጊ ድጋፍ ፣ እዋናዊ ኩነታት ስራሕተን ንምግምጋም፣ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ዘለው ዕድላትን ንምንፃርን ንቐፃሊ ብትሕብብር ንምስራሕ ዘኽእሉ ዕድላት ንምምችቻውን ዝዓለመ እዩ፡፡

ኣብቲ ምይይጥ፥ ካብ ማእኸላት ግልጋሎት ናፃ ሕጊ ድጋፍ ዩኒቨርሲቲታት ኣዲስ ኣበባ፣ ኣርባ ምንጭ፣ ኣሶሳ፣ ደባርቅ፣ ጋምቤላ፣ ጅግጅጋ፣ መቐለ፣ ሰመራን፣ ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ካብ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ን ተወከልቲ ካልኦት ዓለምለኸን ሃገራዊን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝተሳተፉሉ መድረኽ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኮሰመኢ ናይ ስደተኛታት፣ ሓተቲ ዕቑባን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲን ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰል ብዝምልከት ብዘካየዶም ስራሕቲ ክትትል ዝተነፀሩ ዋና ዋና ሪካቦታት ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡ ምይይጥ ካብ ዝተገበረሎም ርካቦታት ንምጥቃስ፣ ናይ ቋንቋ ፀገማት፣ ሕፅረት ሓበሬታን ግንዛበን፣ ከምኡ እውን ኣብያተ ፍርዲ (ትካላት ፍትሒ)፣ ማእኸላት መውሃቢ ነፃ ግልጋሎት ሕጊን ኣብ ከባቢ መዕቖቢ ጣቢያታት መጎዓዓዚ ብቐረባን ብዝተማልአን ኩነታት ዘይርከብ ምዃኑን ከም ቀንዲ ማሕለኻታት ዝተጠቐሱ እዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ንግልጋሎት ናፃ ሕጊ ድጋፍ ዝምደብ በጀት ምንካዩ ከም ተንቀሳቓሲ ቤት ፍርዲ ዝበሉ ግልጋሎታት ቐፃልነት ንከይህልዎም ምግባሩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም ሕፅረት በጀት፣ ኣብ መንጎ ትካላት ዘሎ ናይ ስራሕ ትሕብብር ድኹም ምዃን፣ ወሃብቲ ሓገዝ ሕጊ ናይ ዓቕሚ ድኽመትን እቲ ግልጋሎት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ብመዓረ ተበፃሒ ዘይምዃንን ዕንቅፋታት ምዃኖም ሓቢሮም እዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝወሃብ ትኹረት ትሑት ምዃኑን ንደሌታቶም ዝውክሉ ዝተደላደሉ መሓውራት ዘይምህላዎምን ንተበፃሕነት ነፃ ግልጋሎት ሕጊ ድጋፍ ዕንቅፋት ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ ከም ምጥንኻር ስደተኛ ማእኸል ዝገበራ ማሕበራት፣ ምስፍሕፋሕ ዲጂታል መታወቂያን (ታሴራ) ኣብ መንጎ ትካላት ሓበራዊ ኮሚቲታት ምጥያሽን ዝበረታትዑ ጅማሮታት ምዃኖም፤ ብሓፈሻ ንምርግጋፅ ተበፃሕነት ፍትሒ ተወሳኺ ዝተናበቡ ስጉምቲታት ከምዘድልዩ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ዳይሬክተር ስራሕ ክፍሊ መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጥ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣይተ ምሕረተኣብ ገብረመስቀል ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ግልጋሎት ፍትሒን ሓገዝ ግልጋሎት ሕጊን ተበፃሒነት ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ትካላት ቐፃልነት ዘለዎ ትሕብብር ኣድላይ ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ዳይረክተር ብተወሳኺ ድማ፣ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ዘጋጥምዎም ትጓንፎታት ተለዋወጥትን ዝተሓላለኹን ብምዃኖም፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ዘእተወ ተግባራዊ መልሲ ከምዘድሊ ሓቢሮም እዮም፡፡