ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ግልጋሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ንጉዱኣት ኣካልን ንአረጋውያንን ዘለዎም ተበፃሕነት፣ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ከምኡ እውን ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምቲታትን ብዝምልከት ግንዛበ ንምፍጣርን እጃም መዳርግቲ ኣካላት ንምንፃርን ዝዓለመ መድረኽ ምይይጥ ብዕለት 4 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ፌ.ዴ.ሪ.ኢ.፣ ካብ ቢሮ ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ በዓልመዚ ማኔጅመንት ትራፊክ፣ ካብ ትካል ግልጋሎት ከተማ ኣውቶቡስ፣ ካብ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ከምኡ እውን ካብ ማሕበራት ታክሲን ኢንተርፕራይዝ ተርሚናልን ዝተውፃፅኡ ተወከልቲን ሓለፍቲ ስራሕን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ምይይጥ ግልጋሎት ትራንስፖርት ንጉዱኣት ኣካልን ንአረጋውያንን ተበፃሒ ክኸውን ኣብ ምግባር መዳይ ዝርኣዩ ፀገማትን ዝበረታትዑ ምዕባለታትን ቀሪቦም ሰፊሕ ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡ ንግልጋሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ዝውዕሉ ተሽከርከርቲ ንጉዱኣት ኣካልን ንኣረጋውያንን ንኣጠቓቕማ ምቹው ዝኾኑ መሳርሒታት ዘይብሎም ምዃኑ፣ እቶም መሳርሒታት ዘለዎም ውሑዳት ተሽከርከርቲ ድማ ብምኽንያት ምብልሻው ግልጋሎት ዘይህቡ ምዃኖም፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ተበፃሒን ናይ ኣውቶቡስ ጠጠው መበሊን ናይ እግረኛን መንገዲታት ዘይምህላው፣ ብድምፂ ይኹን ብምስሊ ዝመሓላለፉ ሓበሬታ ወሃብትን ሓባሪ ምልክታትን ዘይምምላእ፣ ንጉዱኣት ኣካልን ንኣረጋውያንን ቀዳሚነት ናይ ምሃብን ሓገዝ ናይ ምግባርን ኣሰራርሓ ኣተገባብራኡ ብሰናይ ፍቓድ ግለሰባት ዝተመርኮዘ ምዃኑ ከምኡ እውን ምስ ኣመለኻኽታ ዝተተሓሓዙ ጉድለታትን ቀንዲ ማሕለኻታት ምዃኖም ተሓቢሩ እዩ፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ ግልጋሎት ትራንስፖርት ንጉዱኣት ኣካልን ንኣረጋውያንን ተበፃሒ ንክኸውን ዘኽእሉ ሕጊታት፣ ፖሊሲታትን መምርሒታትን ምህላዎም፣ ንጉዱኣት ኣካል ተባሂሎም ዝተፈለዩ ናይ መኪና ጠጠው መበሊ ቦታታት (ፓርኪንግ) ኣብ ከይዲ ምድላው ምዃኖም፣ ሓደሽቲ ተሽከርከርቲ ናብ ውሽጢ ዓዲ እንትኣትዋ ግቡእ ዝኾነ መዐቀኒ ተበፃሒነት ዘማልኣ ምዃነን ምርግጋፅ ዘኽእል ፖሊሲ ኣብ ከይዲ ምድላው ምዃኑን ኣብቲ ምይይጥ ብኣዎንታ ካብ ዝተልዓሉ ጉዳያት ማእኸል ዝጥቀሱ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ግልጋሎት ትራንስፖርት ንጉዱኣት ኣካልን ንኣረጋውያንን ተበፃሒ ንክኸውን ዝምልከቶም ትካላት ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ስራሕ ክፍሊ ምርመራን ክትትልን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዮሴፍ ግርማ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ግልጋሎት ትራንስፖርት ብማዕረ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ከምኡ እውን ግልጋሎት ተበፃሒነት መጓዓዚያ ንምርግጋፅ መዳርግቲ ኣካላት ትኹረት ገይሮም ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡ እቶም ሓላፊ ወሲኾም ድማ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ኣብ ዘፈር ትራንስፖርት ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ኣብ ከይዲ ጅማሮ ዘለው ምድላዋት ፖሊሲን ተመሳሰልቲ ስራሕቲን ተጠናኺሮም ተግባራዊ ንኽግበሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡