ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብርሃኑ ኣዴሎ ምስ ኣምባሳደር ኤምባሲ ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሲያራን ማደን ዘትዮም እዮም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዘሻቕሉ ጉዳያትን ኣዎንታዊ ስጉምቲታትን ከምኡ እውን ኮሰመኢ እናሳለጦም ዘለው ስራሕቲ ክትትልን ምርምርን ብስፍሓት መኺሮም እዮም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኮሰመኢ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምኽባርን ምስፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት ንምጥንኻር ዝውዕል ስምምዕ ትሕብብር ተፈራሪሞም እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፣ ተበፃሕነት ፍትሒን ተሓታትነት ኣብ ምጥንኻርን ትኹረት ዝገበረ እቲ ሓዱሽ ማዕቐፍ ስምምዕ ድጋፍ እቲ ድጋፍ ክትትል ኣብያተ ህንፀትን መፅንሒ ቦታታትን (prison and detention monitoring)፣ ክትትል ከይዲ ፍርዲን ስርዓታዊ ምርመራን (trial monitoring and systemic investigation)፣ ምምችቻው መርሃ ግብሪ ተግባር ብሄራዊ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን (TNHRAP) ምኽሪ ሓሳባት ዓለምለኸ እዋናዊ ገምጋም (UPR) ኣብ ዓዲ ውሽጢ ምትግባርን ትኹረት ዝገበረ እዩ።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ትሕብብር ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ኣይሪሽ ኤይድ (Irish AID) ቕድሚ ሐዚ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትካላዊ ህንፀት ኮሰመኢን ኣብ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላትን ልዑል እጃም ከምዝተፃወተ ብምሕባር ህዝብን መንግስትን ኣየርላንድ እናካየድዎ ንዘለው ተኸታታሊ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም እዮም።

ብተወሳኺ ድማ ኮሰመኢ ኣብ ውፅኢት ትኹረት ዝገበረ ሓዱሽ ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ምጅማሩ ብምግላፅ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተፈረመ ሓዱሽ ስምምዕ ትሕብብርን መርሃ ግብሪ ድጋፍን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፣ ተበፃሕነት ፍትሒ፣ ናይ ተሓታትነት ስርዓትን ናይቲ ኮሚሽን ስራሕቲ ክትትል፣ ምርመራን ዓቕሚ ምዕባይ ዝዓለመ ምዃኑ ተመላኺቱ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኽልቲኦም ወገናት ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላዉን ሃገራዊ ግቡኣት ሰብኣዊ መሰላት ተግባራዊ ንምግባርን ዝጀመርዎ ትሕብብር ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ዘለዎም ቖራፅነት ኣረጋጊፆም እዮም።