ጉዱኣት፣ ንዝበፅሖም ጉድኣት ኣፍልጦ ምሃብን ኣብ ከይዲታት ምድላው ስግግር ፍትሒ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽህልዎም ምግባርን ንዕውት ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኣገዳሲ እዩ
ኣብዚ ብቅልጡፍ ዝለዋውጥ ዘሎ ዓለምለኻውን ዲጂታላውን ዓውዲ፤ ትሕብብር፣ ተሓታትነትን ሰብኣዊ መሰላትን ምድንፋዕ የድሊ ተባሂሉ
ኮሰመኢ ብተንቅሳቓሲ መርሃ ግብሪ መቐበሊ ጥርዓን ንማሕበረሰብ ቕሩብ ብምዃን ግልጋሎት ተበፃሒነቱ ንምስፋሕ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ
ስራሕቲ ንግዲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዓለምለኸ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ንምጥዕዓም ሓበራዊ ፃዕሪ የድሊ
ኮሰመኢ፥ ምድንፋዕ ተበፃሒነት ፍትሒ፣ ግልጋሎት ሕውየትን ምርግጋፅ ተሓታትነትን ግዳያት ፆታዊ ዓመፅን ፆታ-ተኮር ጥቕዓትን (SGBV) ቀዳማይ ትኹረት ዝወሃቦ ዓውዲ ስራሕ እዩ
ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒን ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃን ተሳትፎ ተመዛበልቲ ዉሽጢ ዓዲ ምርግጋፅ ይግባእ
ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ መሰላት ተጋለፅቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ዝተዋደደ ሓገዝን ክትትልን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ወሳኒ እዩ
ሰብ ሰራሕ ብልሒ ክስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ፅልዋ ንምቕናስ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ዘእተወ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ተግባራዊ ምግባር የድሊ ተባሂሉ
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ከይዲ ምኽባርን ምስፍሕፋሕን መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሓላፊነቶም ምውፃኦም ንምርግጋፅ ናይ ክትትል፣ ቑፅፅርን ግንዛበ መዕበይን ስራሕቲ ምጥንኻር የድሊ
ኣብ ከይዲ ኣተገባብራ ግልጋሎት ሴፍቲኔት ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ናይ ኣረጋውያን ዝተማልአ ማሕበራዊ ድሕንነት ናይ ምርካብ መሰል ንምርግጋፅ መዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ክሰርሑ ይግባእ