ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረን ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረን ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ንክህልው ምስ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር የድሊ
ዝርግሐ ሕማማት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን እናተወሰዱ ዘለው ስጉምቲታት ብምጥንኻር መሰል ጥዕና ዜጋታት ምርግጋፅ የድሊ
ተበፃሕነት፣ ተረካብነትን ፅፈትን ሕክምና ጥዕና ሓንጎል ንምርግጋፅ፣ መሰል ጥዕና ማሕበረ ስነ-ልቦና ፀገም ዘለዎም ሰባት ምኽባርን ምሕላውን ዓንዲ ወኒን እዩ
ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ንምድጋፍ ቀንዲ መትከላት ስግግር ፍትሒን ከይዲ ኣተገባብራኡ ዝሕንፅፁን ዝጭበጡ ኣገባባት ምግንዛብ የድሊ
መንግስቲ ግቡእ ምርመራ ብምክያድ ተሓታትነት ንምርግጋፅን ንጉዱኣት ንምክሓስን ንምጥያሽን ዘኽእሉ ስጉምቲታት ክወስድ ይግባእ
ንጉዱኣት ኣካል ግልጋሎት ተሃደሶን ሓገዛዊ መሳርሒታት ናይ ምርካብ መሰልን ብዝተማልአ ኩነታት ተበፃሒ ንምግባር ነባር ትካላት ) ምጥንኻርን ምስፍሕፋሕን የድሊ
ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋዊያንን ኣብ ከይዲ ኣጠቓቕማ ግልጋሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ዘጋጥሙዎም ዕንቅፋታት ንምፍታሕን እቲ ግልጋሎት ተብፃሕነቱ ንምርግጋፅን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሑ ይግባእ
ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጠርቲ ንምምሕያሽ ምስመዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ኣብ ምስራሕን ቖራፅነትን ወሳኒ እዩ
እዚ ኩነት መከታተሊ ሃገራዊ መረፃ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ምዃኑ ኣብ ምርግጋፅ መዳይ ልዕሉ እጃም ይፃወት
እቲ ስትራቴጂክ ትልሚ ንምስፍሕፋሕ፣ ንሓለዋን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰላት ሓገዝቲ ዝኾኑ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓታትን ቅልጡፍ ስርዓት ዝርግሐ ሓበሬታን ሓቒፉ ዝተዳለወ እዩ