መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ከይዲ ምኽባርን ምስፍሕፋሕን መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሓላፊነቶም ምውፃኦም ንምርግጋፅ ናይ ክትትል፣ ቑፅፅርን ግንዛበ መዕበይን ስራሕቲ ምጥንኻር የድሊ
ኣብ ከይዲ ኣተገባብራ ግልጋሎት ሴፍቲኔት ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ናይ ኣረጋውያን ዝተማልአ ማሕበራዊ ድሕንነት ናይ ምርካብ መሰል ንምርግጋፅ መዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ክሰርሑ ይግባእ
ዓለምለኸ ስምምዓት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ተግባር ምውዓሎም ዝረጋገፅ፤ ትካላት ሲቪል ማሕበረስብን ሃገራዊ መስርሒታትን ኣብ ኣፈፃፅማ ሃገራዊ ስርዓት ክትትልን ሪፖርትን ብዝህልዎም ዓቕሚ እዩ
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ በቲ ዝበፀሐ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ፤ በቲ ሓደጋ ንዝተፀለው ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ፣ ዝተወደበን ህፁፅን ናይ ሓደጋ ጊዜ መፍትሒ ንክወሃብ ኣተሓሳሲቦም
ኮሰመኢ፦ ትካላት ዳይነትን ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ዝገበሩ ግልጋሎታት ብምሃብ፣ ሰብኣዊ መሰላት ባህሊ ዝኾኑላ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣር ግደኦም ክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ
መሰል ስራሕ ጉዱኣት ኣካል ንክኽበር ጥንኩር ናይ ሕጊ ማዕቀፍ የድሊ
ክልቲኤን ላዕለዋይ ብርኪ (A- status) ዘለወን ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት (NHRIs)፤ ሓቢረን ብምስራሕን መዘናዊ ምምህሃር ብምጥንኻርን ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕ ከምዝሰርሓ ዳግማይ ኣረጋጊፀን
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ኣርሲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝበፅሕ ዘሎ ቕትለት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ናይ ንብረት ዕንወትን ምፍንቓልን ዕልባት ንኽረክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልል ኦሮሚያን እኹል ሓይሊ ፀጥታ ንክምድቡን ተሓታቲነት ምርግጋፃፅ ሓዊሱ ቅልጡፍ፣ ዝጭበጥን ዘላቒን ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ
ኮሰመኢን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ኣብ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ህንፀት ሰላምን ዝምልከት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ዛዕባታት ውዕሊ (“ውዕሊ ጅማ”) ተፈራርሞም
ምጥንኻር ተሰማዒነት፣ ድሕንነትን መነባብሮን ጉዱኣት ኣብ ናይ ስግግር ፍትሒ ንዝህልዎም ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ርኡይ ተራ ይፃወት