ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ 2019 ዓ.ም. እተዳልዎ ሓፈሻዊ ጉባኤን መበል 16 ኮንፈረንስን መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (NANHRI) ዕውት ብዝኾነ መልክዑንኽካየድ መዳርግቲ ኣካላት ቕንዕና ዝተመልኦ ምትሕብባርን ሓገዝን ንኽገብሩ ኮሰመኢ ዝህቦም ምኽረ ሓሳባት ብዝተማልአ መንገዲ ንኽትግበሩን ኮሰመኢ ፃውዒት የቕርብ
ኣብ መዕቖቢ ዝርከቡ ህፃናት ካብ ናይ ገበን ጉዳያት ዝኾኑ ነገራት ተሳቲፎም ዝተረኸቡ ህፃናትን ማእኸላት ተሃድሶን ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ንምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኹለንተናዊ ዕቤትን እቶም ህፃናት ዕዙዝ ተራ ይፃወቱ
ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብርሃኑ ኣዴሎን ላዕለዎት መራሕቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳራዊ ፍትሕን (CHRAJ) ሃገረ ጋናን ኣብ መዘናዊ ሓበራዊ ዘተ ብምስታፍ ኣብ ናይ ተግባር ተሞክሮታትን ምድንፋዕ ትካላዊ ምትእስሳርን ምይይጥ ኣካይዶም እዮም
ኮሰመኢ ኣብ 2019 እተተኣናግዶ ዋዕላ ዕውት ንምግባር ምስ NANHRIን ኣባላታን ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውነታን ተወፋይነታን ኣረጋጊፃ